2015 ገንዘብካ ፍለጦ - konsumentverket · ኬሐድሶን፡ ከምኡ'ውን fixed...

24
2015 ገንዘብካ ፍለጦ ሓገዝ ምስ በጀትካ ብዛዕባ ፋይናንስካ ምኽሪታትን ሓበሬታታትን ኣሰር ስድራ ጆንሰን ሳዓብ ብጥርሑ

Upload: others

Post on 07-Jan-2020

19 views

Category:

Documents


1 download

TRANSCRIPT

2015

ገንዘብካ ፍለጦ

ሓገዝ ምስ በጀትካ

ብዛዕባ ፋይናንስካ ምኽሪታትን ሓበሬታታትን

ኣሰር ስድራ ጆንሰን ሳዓብ

ብጥርሑ

2

ፋይናንሳዊ ምሕደራኻወርሒ-መጸ፡ ገንዘብካ ወርሒ ምሉእ ኪጸንሕ ምፈተኻ። ክተዋህልሎ እትደልዮ ገለ ነገር እናሃለወካ፡ ከመይ ከም እተዋህልል ግና ኣይትፈልጥን። ገንዘብካ ክትቈጻጸሮ እናደለኻ፡ በየን ከም እትጅምሮ ግና ኣይትፈልጥን። “ገንዘብካ ፍለጦ”፡ ሸቶኻ ምእንቲ ክትወቅዕ፡ ብዛዕባ ገንዘብካ ሓፈሻዊ ስእሊ ንኪህልወካን ባጀት ክትስልዕን ኪሕግዘካ እዩ።

ኣብ “ገንዘብካ ፍለጦ”፡ ንኣን እናሰዓብካያ፡ ንሳን ሰለስት ደቃን፡ ዋላ'ውን ንሓደ ደሞዝ፡ ከመይ ኣተኣኻኺሎም ገንዘቦም ከም ዘመቓርሕዎ ክትራይ ኢኻ። ትካል ሃለኽቲ ሽወደን ንዘዳለዎ ናይ በበይነን ዓይነታት ኣባይቲ ገምጋማትን ኣብ ምቍጽጽር ገንዘብካ ጸገማት ምስ ዚህልወካ ናበይ ከም እተብልን ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዝያዳ ክተዋህልል ትደልይዶ?እምበኣርከስ፡ ሓደው እቶትካ ክብ ክተብሎ ሓደው ወጻእታትካ ክትንክዮ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ። ወጻእታትካ ክትንክዮ ክትፍትን እንተ ደሊኻ፡ በበይኑ ኣብ ዝዋጋኦም ዕድግታት፡ ማዕረ ክንደይ ክተዋህልል ከም እትኽእል ብምቕማር ክትጅምሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገጽ 23 ኣብ ዚርከብ ሰንጠረጅ ባጀት፡ ንበበይኖም ዓይነት ዕድግታት ማዕረ ክንደይ ገንዘብ ክተቐምጥ ከም እትደልይ ምልኣዮ። እምበኣር፡ ምሕደራ ገንዘብካ እንታይ ኪመስል ከም ዘለዎ ባጀት ሰሪዕካ ኣሎኻ። እቲ ባህ ዜብል ብባጀትካ ናይ ምቕያድ ዕዮ ፈተነ እነሆ ይጅምር!

እንታይ ይመስለካ?ናብ www.enkat.kov.se ብጻሕሞ፡ “ገንዘብካ ፍለጦ” ክነመሓይሾ ሓግዘና። ርእይቶታትካ ክተረክብ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ እዩ ኪወስደልካ። ነቲ መሕትት ብመገዲ QR ኮድ’ውን ክትግልገለሉ ትኽእል ኢኻ።

ደሞዝ

መጠወሪ ወለዲ

ኣበል ቈልዓ

ፋይናንሳዊ ደገፍ/ደገፍ ቈልዑ

ኣበል ኣባይቲ

መጠወሪ ስራሕ-ኣልቦነት

ኣበል ትምህርቲ/ኣበል ስልጠና

መጠወሪ ሕማም

ካሕሳ ሕማምን ንጥፈትን

ጥሮታ

ካልእ እቶት (ኣበላት፡ ማህደረታት-ትምህርቲ፡ ወዘተ)

ግብሪ ምስ ተቘረጸ ዚተርፍ ድምር ወርሓዊ እቶት

እቶት ስድራቤትካ ኣብ ታሕቲ ኣብ ዚርከብ ሰንጠረጅ ኣእትዎ። ንዅሉ ደማሚርካ፡ ነቲ ሓፈሻዊ ድምር ኣብ ገጽ 23 ኣብ ዘሎ ሰንጠረጅ ኣእትዎ።

እቶት

ኣባል ስድራቤት 1 ኣባል ስድራቤት 1 ድምር

ነዚ ሰንጠረጅ ምስ መላእካዮ፡ ንኣጠቓላሊ ድምር ኣብ ገጽ 23 ኣብ ዚርከብ መስመር "ድምር እቶት” ምልኣዮ።

ግብሪ ምስ ተቘረጸ ዚተርፍ ወርሓዊ እቶት፡ ሓለፋታት፡ ኣበላትን ካሕሳን

ሰንጠረጃት ከመይ ከም እትመልኦኣብ ታሕቲ ንዘሎ ሰንጠረጅ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ገጻት 8ን 21ን ንዘሎ ሰንጠረጃት ምልኣዮ። ነቲ ድምራት ናብ ገጽ 23 ኣስግሮ። ኣብቲ ሰንጠረጅ ትሕት ኢኡ ንዚርከብ ካልኦት ወጻእታት እንተላይ ምልኣዮ። እምበኣርከስ፡ ስእሊ እዋናዊ እቶትካን ወጻእታትካን ረኺብካ። ገንዘብካ ኣብ ምንታይ ተውዕሎ ከም ዘሎኻ ብቐሊሉ ክትርእይ ትኽእል ኢኻ።

ሓበሬታ

ምልኣዮሞ ቀምሮ!ኣብ ውሽጢ እዞም

ብነጠብጣባት ዚቘሙ መስመራት ንዘሎ ሰንጠረጅ

ምልኣዮሞ፡ቀሊል ኣሪትሜቲክ ስራሕ።

ገንዘብካ ፍለጦ

3

ሰለስተ ደቂ ዘለዉዋ ወላዲት

ኣብ ወሰን እቲ መስመር ቢቺክለታ፡ ልክዕ ኣብ ውሽጢ እቲ መእተዊ ኣጸጋሚ ቦታ ኣብ ዚርከብ ተር ዝበለ ገዛውቲ እያ ኣን ምስ ሰለስተ ደቃ እትቕመጥ። ጐረባብቶም ተጐዝጒዞምዎም እዮም ዚነብሩ፡ እቲ መጻወቲ ጐልጐል ድማ ፊት ንፊት እቲ ኣፍደገኦም እዩ ዚርከብ። ኣብዚ ኣፓርታማታት ተራድኦታት ምስቲ ክራይ ተሓዋዊሱ ስለ ዚርከብ፡ እቶም ቈልዑ እቲ ሓደ ናብቲ ናይቲ ካልእ ገዛ እናተጓየዩ ኪኣትዉን ኪወጹን ይስትብሃሉ።

“ንወዲ ኣርባዕተ ዓመት፡ ዴክስተር፡ ውላደይ ምቹእ እዩ! ኣብዚ ኵሉ ሰብ ስለ ዚፋለጥን ንመኻይን ፍቑድ ስለ ዘይኰነን፡ ወደይ ኣብ ጽርግያ ተጻዊቱ ኢለ ክጭነቕ ኣየድልየንን እዩ” ትብል ኣን።

ጓል 40 ዓመት እያ፤ ነዚ ኣብ መንጎ ተር ዝበለ ኣባይቲ ኣብ ጥርዚ ኦክሰሎሱንድ ዚርከብ ገዛኣ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት እያ ዓዲጋቶ። ወዲ 20 ዓመት በዅሪ ወዳ ፖንቱስ፡ ከምኡ'ውን 18 ዓመት ዝዕድመኣ ኤማ ጓላ ኣብዚ ኪቕመጡ ከለዉ፡ እዛ ገዛ በብተርታ ቅጽጽ ትብል። ንሳቶም ምስ ወለዶም ከክልተቕነ ይጸንሑ። ኣንን ነበር መሻርኽታን እዞም ደቆም ገና ቈልዑ ከለዉ'ኳ እንተ ተፈላለዩ፡ ክልቲኦም ግና ኣብ ኦክሰሎሱንድ እዮም ዚቕመጡ ዘለዉ። ምስቶም ቈልዑ ጽቡቕ እናተሓጋገዙ፡ ንዅሉ እቲ ወጻእታት ይማቐልዎ። ዴክስተር ምሉእ ጊዜኡ ምስ ኣን እዩ ዚነብር። ገና ብንእሽቶኡ ኣዝዩ ንጡፍ ኰይኑ፡ ዳርጋ ማእከል እታ ስድራቤት እዩ።

“መብዛሕትኡ እዋን ናብ ደረጃኡ ወሪድና፡ ኵላትና ኣብ ባይታ ኣብ መንጎ ኣሻንጕሊታቱ ወይ ያብቲ ሶፋ ኣብ ቅድሚ ፊልም ህጻናት ኢና እንዅደም” ኢላ ትጸውየና ኣን።

ኣብቲ ልክዕ ቦታኣን ኣቐዲማ መምህር ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ክትከውን ኢላ ትመሃር'ኳ እንተ ነበረት፡ ዲግሪኣ ክትጭብጥ ዓመት ምስ ተረፋ ግና ክትሰርሕ ብምሕሳብ ዕረፍቲ ወሲዳ። ኣብ ትካል ኣገልግሎት መአረምን ምቍጽጻር ባህርያት ገበነኛታት ሰብ ኣመኵሮን ሽወደን ስራሕ ረኺባ፡ ኣብኡ'ውን ትሰርሕ ኣላ።

“ኮታ ኣብቲ ልክዕ ቦታይ እየ ዘለኹ! ክሲ እተመስረቶም ሰባት፡ ብዘይ ገበነኛነት ኪነብሩ መታን ኪኽእሉ፡ ዜድልዮም ዘበለ ሓገዝ ከም ዚረኽቡ ምክትታል እዩ” ትብል ንሳ።

ኣን ናይኮፒንግ ናብ ዚርከብ ስራሓ 25 ኪሎሜተር ቢቺክለታ ተወጢሓ፡ ብጊዜ ክረምቲ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልታት ትመላለስ። ከምዚ ክትገብር ምእንቲ ክትክእል፡ ብሓቂ ብልጽቲ ቢቺክለታ ገዚኣ ኣላ።

“እዚኣ ምናልባት እታ ዝበለጸት ዝዓደግክዋ ነገር እያ! ቅርጸይ እናሓለኹ፡

ንነዳድን ንስፖርትን ዚጠፍእ ገንዘብ አዋህልሎ። ብተወሳኺ፡ ጊዜ እቝጥብ፥ ወፊረ ክኣትው ከለኹስ ድሮ ስፖርት ሰሪሐ ኣለኹ” ተብርህ።

ኣን ኣዘውቲራ ቢቺክለታ ስለ እትውጣሕ፡ ኤኮኖሚያዊ ውሕስነት ደቃ እናዛየደ ምስ ምምጻኡ፡ ገለ ነገር እንተ ኣጓነፈኒ ብማለት ንዘቤታዊ መድሕና ብመድሕን ጥዕናን ህይወትን ደሪዓቶ ኣላ።

ዝበለጸ መድሕን ተናድይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንመድሕን ውላዳን ንማኪናኣን ዜዋጽእ ዝሓሸ ኵነትን ዋጋን ረኺባ። ብኡ ብኡ ቀይራ።

ዓብይ ውልቃዊ ሓላፍነትበይና ሰለስተ ደቂ ከም እትኣልይ ወላዲት መጠን፡ ኣን ዕላማኣ ክትወቅዕ ወትሩ ክትቃለስ ኣለዋ። ፖንተስን ኤማን ክልቲኦም ንዝሓለፈ ብርክት ዝበለ ጊዜ ንገዚፍ ክፋል ፋይናንሶም ባዕላቶም ኬመሓድርዎ ተፈቒድዎም እዩ። ደቂ 15 ዓመት ካብ ዝዀኑሉ ጊዜ ኣትሒዞም፡ ክልቲኦም ወጻእታት ልባሳቶምን ተንቀስቐስቲ ተሌፎናቶምን ክኢሎም ኣለዉ፤ ናይ ተመሃራይ ቀለተኦም ምስ ዘይኣኽሎም፡ ገንዘቦም ባዕላቶም ኪድልቡ ኣለዎም። ድሕሪ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ፡ ፖንተስ ኣብቲ ኣቦኡ ዚሰርሓሉ መዐሸጊ መራኽብ ይሰርሕ። ኤማ

ገንዘብካ ፍለጦ

ኣብ ወሰን እቲ መስመር ቢቺክለታ፡ ልክዕ ኣብ ውሽጢ እቲ መእተዊ ኣጸጋሚ ቦታ ኣብ ዚርከብ ተር ዝበለ ገዛውቲ እያ ኣን ምስ ሰለስተ ደቃ እትቕመጥ። ጐረባብቶም ተጐዝጒዞምዎም እዮም ዚነብሩ፡ እቲ መጻወቲ ጐልጐል ድማ ፊት ንፊት እቲ ኣፍደገኦም እዩ ዚርከብ። ኣብዚ ኣፓርታማታት ተራድኦታት ምስቲ ክራይ ተሓዋዊሱ ስለ ዚርከብ፡ እቶም ቈልዑ እቲ ሓደ ናብቲ ናይቲ ካልእ ገዛ እናተጓየዩ ኪኣትዉን ኪወጹን ይስትብሃሉ።

ዴክስተር ምስ ቈልዑ ጐረቤት ይጻወት ኣሎ። እዚ ወረዳ ካብ መኻይን ናጻ ብምዃኑ፡ኣን ብዛዕባ ትራፊክ ምጭናቕ ኣየድልያን እዩ።

4

ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ እናተኸታተለት፡ ጐድኒ ጐድኑ ኣሳሳዪት ኰይና ትሰርሕ። ወጻእታት ጕዕዞ ስፖርት ሸታሕታሕ በረድን ኣብ መዛዘሚ ዓመት ትምህርታ ናይ ዚህልው ፓርቲታትን ክትሽፍኖ ትደልይ።

ኣንን ኣቦ እቶም ዓበይቲ ደቃን ንኸም ስፖርትን ትምህርትን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ኣብ ምኽፋል ኪተሓጋገዙ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ደቃ ምስ ኣዕሩኽ-መሓዙቶም ናብ ገለ ንጥፈታት ኪወጹ ከለዉ ንዜድልዮም ገንዘብ ኣመልኪቶም፡ ብዛዕባ ተወሳኺ ገንዘብ ብዙሕ ምይይጣት ኣካይዶም። መትከል ኣን ግና ንጹር እዩ፥

“ኣብ ገዛ ኪምገቡ ይኽእሉ እዮም። ወጺና ክንበልዕ ኢና እንተ በሉ ግና፡ ምርጫኦም እዩ። ሽዑ ካብ ገንዘቦም ኪኸፍልዎ ይኽእሉ” ትብል ኣን።

ትኵር ዓይኒ ኣብ ፍሪጅብቐዳምነት ብዛዕባ መግቢ ሓላፍነት እትስከም ኣን እያ። ስፔዛ ትሸማምት፡ ዓይነት መግቢ ትውስን፡ ከምኡ'ውን ተዳልው። እዞም ቈልዑ ይዓብዩ ስለ ዘለዉን፡ ፖንተስ ድማ ልዕሊ ኵሎም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብብዝሒ ስለ ዚሰርሕ፡ መግቢ ቀንዲ ወጻኢ እዩ። እዚ ከኣ፡ ኣውራ ኣብ እዋናት ዕረፍቲ፡ ቈልዑ ኣብ ቤት-ትምህርትን መዋዕለ-ህጻናትን ኣብ ዘይምገቡሉ ጊዜ ርኡይ እዩ። ወጻእታት ንምንካይ፡ ኣን ወትሩ ዋጋታት ኣነጻጺራ እያ ነቲ ዝሓሰረ እትገዝእ። ከከም ወቕቱ ስፔዛ ክትሸማምት'ኳ እንተ ፈተነት፡ ምስ ኣከባቢ ዚሰማምዑን ኣብቲ ከባቢ ዚበቝሉን ፍርያት ግና መብዛሕትኡ ጊዜ እምብዛ ክቡራት እዮም። ኣብ ፍሪጅ ብዛዕባ ዘሎ ነገራት የዐርያ ስለ እትፈልጥ፡ መግቢ ክተባኽን ኣየድልያን እዩ፤ ኣብ ገዛ ንዘሎ ነገር እያ እተብስል። But ኤማ ግና ዝበዝሐ መግቢ ኣን እያ እተብስሎ ምስ ዚብል ኣይትሰማማዕን።

“ነፍሰ-ጾር ኣብ ዝነበርክሉ፡ ኣነ እየ መግቢ ወርትግ ዘዳልው ዝነበርኩ” ትብል።

ዑደት ልባሳትንባዕላ ዀነ ንደቃ፡ ኣን ንልባሳትን ንጫማታትን ብዙሕ ገንዘብ ኣይትስልዕን እያ። ፖንተስን ኤማን ንዕድግታቶም ባዕላቶም ስለ ዚኽእሉ፡ ኣን ንዴክስተር ካብ ኣዕሩኽ-መሓዙታ እያ እተልብሶ።

“ምስ ዓበየ ዚወድዮም ጫማታት ዝሓዙ ክልተ ቦርሳታት ኣብዚ ኣርማድዮ ኣሎኒ። ካብዚ ለቢስዎ ዘሎ ዝዓደግኩሉ ነገር እንተ ሃልዩኒ'ኳ እግረም” ትብል ኣን።

እቶም ልባሳት ንዴክስተር ምስ ዚንእስዎ፡ ካብ ኣዕሩኽ-መሓዙታ ሓደ ዚወስዶ ሰብ ኣይሰኣንን እዩ።

“ማማ፡ ምቕማር ደው ክተብልዮ ኣሎኪ”ፖንተስ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዛዚሙ ገንዘቡ ኪድልብ ስለ ዝጀመረ፡ ናይቲ ኣብዚ ገዛ ዚቕመጦ ኪኸፍለሉ ኣን ጠሊባ ኣላ። ክንደይ ኪኸፍል ከም ዘለዎ ብዚምልከት ርሱን ክትዕ ተላዒሉ። ቅድሚ ቝሩብ፡ ኣን ዝኣክል ነይርዋ።

“ንፖንተስን ንኤማን ንነፍስወከፎም ንኡስ ቀመር፡ ዘምቢል ካራሜላን ኵሉ እቲ ናይ ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ቅብሊታትን፡ መግለጽታት ሕሳብ፡ ከምኡ'ውን ክፍሊታት ባንክ ሂበዮም። እነሀልኩም፡ ማዕረ ኽንደይ ከም እተህልኹ ቀምርዎ!

ድሕሪ ክልተ ሰዓታት ደማሚሮም ምስ ወድኡን፡ ንፋይናንስ እታ ስድራቤት፡ ንኣስተዋጽኦ እቶም ቈልዑ ነታ ስድራቤት፡ ከምኡ'ውን ንወጻእታት ዚምልከት ዓሚቝ ዝርርብ ተኻይዱ።

‘ማማ፡ ምቕማር ደው ክተብልዮ ኣሎኪ። ኣዝዩ ክቡር እዩ!’” ኢሉ ፖንተስ።እቲ ዝርርብ'ኳ እንተ ቐጸለ፡ ኣብ ፋይናንስ እምብዛ ከየተኰረ፡ ኣብ ዘቤታዊ

ነገራት ብዛዕባ ዚህልው ምትሕግጋዝ ከም ሕጽቦ፡ ምጽርራይን ምልዕዓልን ኣተኲሩ። ብጭቡጥ፡ ኣን ናታ ቢቺክለታ ዓዲጋ ናብ ስራሓ ምውጣሕ ናብ እትጅምረሉ ኵነት ኣምሪሑ። ድሕሪ እዚ ሓቂ፡ ፖንተስ ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ብዛዕባ ፋይናንስን ብኣጋ ምኽፋልን ኣልዒሎም ዘይምምይያጦም ቅር ኢልዋ። “ኣነን ንሱን ሽዑ ተቐሪብናሉ ምሃለና።”

ባዶ ሰርባቶዮ (tank)እዛ ስድራቤት ማኪና ኣለዋ - ንእሽቶ ናይ 2008 ሞዴል ቶዮታ ኦሪስ። ኣን ካብ ባንክ ብእተለቅሓቶ ገንዘብ እያ ነዛ ማኪና ካብ ሓደ ሸያጣይ ዓዲጋታ።

“ሓንቲ ካብተን ዝሓሻ ዕድግታተይ ብምዃና፡ ሕጕስቲ እየ! ከምታ ዝቐደማ፡ ኣመና ዝሓሰራ መካይን ኣይትበላሸውን፡ ዝወሓደ ነዳዲ ድማ ተህልኽ” ትብል ኣን።

ብጊዜ ክረምቲ፡ ኣን ኣምሳያ ምውጣሕ ብቺክለታ ነታ ማኪና ትዝውራ። ቅድሚ ሕጂ፡ ፖንተስን ኤማን ክልቲኦም ይጥቀሙላ ስለ ዝነበሩ፡

ነዳዲ ብተደጋጋሚ ክትመልኣ ነይርዋ። ነዳዲ ቀቀልጢፉ ይሕንኰኽ ነይሩ። እዚ ክስተት ኣብ ዙርያ መኣዲ ናብ ዚካየዱ ሓያሎ ዝርርባት ኣምሪሑ። ሽዑ ኣን

ስድራቤት ብሓንሳእ ተኣኻኺቦም። ኢሮም ከይዱ፥ ኤማ፡ ኣን፡ ዴክስተርን ፖንተስን። ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ዙርያ እዛ ጠረጴዛ ኣንን ዴክስተርን ጥራይ ኰፍ ኪብሉ እዮም። ፖንተስ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኪመሃር እዩ፡ኤማ'ውን ናብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ክትኣትው ትደልይ።

5

ወርሓዊ እቶት

ክፍሊት ኣን ድሕሪ 23 100ግብሪ 23 100

ወጻኢታት

መጽለ ወጻእታት ጽገና 1 100 ክፍሊት 4 600 ለቓሕ 1 200

ማኪና ወጻእታት ነዳዲ 700 ካልእ ወጻእታት ማኪና 1 300 ለቓሕ 1000

ቀዋሚ ወጻእታት፥ ምምላስ ለቓሕ CSN 1 250 ናብዮት ቈልዑ፡ ክፍሊት ደገፍ ቈልዑ 500 ካልእ መድሕን 350 ክፍሊታት ስራሕ-ኣልቦነትን ጥርናፈን 350 መራኸብታት ብዙሓን 300 መድሕን ቈልዑ 250

ተለዋዋጢ ወጻእታት መግቢ 5 000 ውህለላ 2 000 ልባሳትን ጫማን 1 000 ምዝንጋዕ/ጸወታ 800 ተንቀሳቓሲት ተሌፎን 350 ጽርየት ኣካላት 300 ዶክተር፡ ሓኪም ስኒ፡ ድሓኒት 250 ሃለኽቲ ነገራት 200 ጥሮታ 200 ኣቝሑ ገዛ 100ድምር ወጻእታት 23 100

ምሕደራ ፋይናንስ ኣን

• ንምሕደራ ገንዘብ ኣመልኪትካ ምስ ደቅኻ ብኣጋ ተመያየጠሉ።

• ደቅኻ ገንዘብ ኪድልቡ ኣብ ዚጅምሩሉ እዋን፡ ናይቲ ኣብዚ ቤት ዚቕመጥዎ ዘለዉ ኪኸፍሉሉ ከም ምዃኖም ሓብሮም።

• ባንክኻ ንኽፍሊታትካ ብካርድ ባንክ ዚምድበሉ ኣገልግሎት ይህብ እንተ ዀይኑ ኣረጋግጽ። ገንዘብካ ኣበይ የብል ከም ዘሎ ዝሓሸ ስእሊ ክትረክብ ኢኻ።

ሓበሬታ ኣን

ሜላ ቀይራ - ስራሓ ምስ ዛዘመት እቲ ሰርባቶዮ ምእንቲ ኪጽንቀቕ፡ ሓሓሊፋ ጥራይ እያ ኣን ሎሚ ኣውሒዳ እትመልኦ።

“ፖንተስን ኤማን ነታ ማኪና ኪጥቀሙላ ይኽእሉ እዮም፡ እንተዀነ፡ ፈለማ ብገንዘቦም ኪመልእዋ ኣለዎም። ከምዚ ግርም እዩ ዜኽይድ” ትብል ኣን።

ሓድሽ ባንክ ንወጻእታታ ነክዩላዝሓለፈ ዓመት፡ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ክትዓቝሮ ዝጸንሐት ገለ ነገር ኣልዒላቶ፥

ወጻእታት ለቓሕ ቤታ ክትንክዮ ትኽእል እንተ ዀይና ኣጽኒዓ። ዝሓሸ ኵነታት ስለ ዝረኸበት፡ ባንክታት ቀይራ። ብተወሳኺ፡ እቲ ሓድሽ ባንክ ንገዛኣ ብልዑል ዋጋ ተሚንዎ። እዚ ማለት፡ ንገዛኣ ከም ውሕስነት ኣትሒዛ ዝያዳ ብምልቃሕ፡ ንገዚፍ ክፋል ናይቲ ክቡር ዕዳ እታ ማኪና ከፊላ ናጻ ክትከውን ኣኽኢልዋ እዩ።

“ኣስታት 1,500 ክሮነር ዝነበረ ወርሓዊ ወጻእታተይ፡ ባንክ ምስ ቀየርኩ ጐዲሉ” ተብርህ ኣን።

እንትርፎ ለቓሕ ገዛን ማኪናን፡ ኣን ወርሓዊ እትኸፍሎ 1,250 ክሮነር ለቓሕ ተመሃራይ ለቓሕ ተመሃራይ ኣለዋ። ካልእ ለቓሕ የብላን፡ ካርድ ለቓሕ (credit card) እውን የብላን። እቲ ባንክ ዚግልገለሉ ስሩዕ ካርድ እያ እትጥቀም።

ካብ ቤት ምውጻእኣብዘን ዚቕጽላ ክልተ ዓመታት፡ ፖንተስን ኤማን ክልቲኦም ካብዚ ቤት

ኪወጹ ምዃኖም ትጽብጽብ። ሽዑ ወጻእታት መሐደሲ ክሽነን ባኞን ክትከፍሎ ከም እትኽእል ትትስፎ። እንተላይ ውህለላ ጥሮታኣ ክተዛኣይዶ ትብህግ።

“ተረፍ ገንዘብ ምስ ዚህልው፡ ኣብ መጻኢ ክጐዓዝ ዊንታይ እዩ። ሓደ መዓልቲ ድማ ኣብ ወሰን ውቅያኖስ ክሰፍር እየ” ኣን ብዓውታ ትሓልም።

መዋዕለ-ህጻናት ዴክስተር ኣን ናብ ስራሓ ኣብ እትወፍረሉ መገዲ እዩ ዚርከብ።

ገንዘብካ ፍለጦ

6

ክራይኣብ ኣፓርታማ ተኻሪኻ ትቕመጥ እንተ ሃሊኻ፡ ኣካራዪ ነቲ ኣፓርታማ ኪጽግኖን ኬሐድሶን፡ ከምኡ'ውን fixed ከም ምድጃ ወይ ፍሪጅ ዝኣመሰሉ ቀወምቲ ንብረታት ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ኣካራዪ ብተወሳኺ፡ ክትኣትዎ ከሎኻ መውዓዪ ከም ዚዓይይን እቲ ኣፓርታማ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ምህላዉን ኪርእይ ኣለዎ። እቲ ኣፓርታማ ምስ ዜሸግረካ፡ ምስ ኣካራዪኻ ጥራይ ምዝርራብ እዩ ዜድልየካ።

ተኻራዪ ከም ምዃንካ መጠን፡ ክራይ ናይ ምኽፋልን ነቲ ኣፓርታማ ድማ ብግቡእ ናይ ምሓዝን ሓላፍነት ኣሎካ። ንመስኰት እቲ ባኞ ምስ እትሰብሮ ወይ ቢቺክለታኻ ኣብቲ ኣፍደገ ኣደጊፍካ ደው እናኣበልካያ ነቲ መንደቕ ምስ እትልሕጽጾ፡ ወጻእታት መጸገኒ ክትከፍሎ ኣሎካ። ንምክራይ ኣፓርታማ ዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ omboende.se ኣንብብ።

መረጋገጺ ቅድሚ ምግዓዝካ፥• ቅድሚ ምግዓዝካ፡ ውዕል ክራይ ብጽሑፍ ከም ዘሎካ ኣረጋግጽ።• ንስኻን ኣካራዪን ነቲ ኣፓርታማ ብሓባር ክትርእይዎ ብምጥላብ፡ እተበላሸወ

ነገራት ክልቴኹም ኣብ እትፍርሙሉ ሰነድ ኣስፍሮ።• ምስ ገዓዝካ እተበላሸወ ነገራት እንተ ረኸብካ፡ ጽሒፍካ እዚኣቶም'ውን

ኣብቲ ሰነድ ኪሰፍሩ ጥለብ። እንተ ዘየለ፡ ዝቐደሙ ተኻረይቲ ንዘውረድዎ ዕንወት ናይ ምኽፋል ሓደጋ ኬንጸላልወካ ይኽእል እዩ።

ንመብዛሕትና፡ መጽለሊ ሓደ ካብቶም ዝዓበየ ወጻእታት ዚጠልቡ ነገራት እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ እተፈላለዩ ዓይነታት መጽለሊ፡ ከምኡ'ውን ኣብ እትሓርየሉ እዋን ክትሓስበሉ ብዛዕባ ዘሎካ ጽቡቕ ነገር ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መጽለሊ

ተኻሪኻ ምክራይ (Subleasing)ካብ ካልእ ተኻራዪ ተቐቢልካ ክትካረ ከሎኻ፡ “subleasing” ይበሃል። እቲ ቀንዲ ተኻራዪ ኣብቲ ኣፓርታማ መሓአሪ ምስ ዚህብ ወይ ምስ ዚወጽእ፡ ክትወጽእ ይግባእ። እምበኣር፡ ኣብቲ ዘካረየካ ሰብ ኢኻ እትምርኰስ ዘሎኻ።ንተኻሪኻ ምክራይ ዚምልከት፡ ብዝያዳ ኣብ omboende.se ኣንብብ።መረጋገጺ ቅድሚ ምግዓዝካ፥• እቲ ዘካርየካ ዘሎ ሰብ ተኻርዩ ኬካርይ ፈቓድ እንተ ሃልይዎ፡ ቅዳሕ

ንኽህበካ ተወከሶ።• ተኻርዩ የካርየካ ከም ዘሎ ዚገልጽ ውዕል ጽሒፍካ፡ ምስቲ ዜካርየካ ዘሎ

ሰብ ተፈራረመሉ። መራያ ውዕልን ካልእን ኣብ omboende.se ምርካብ ይከኣል።

• ምስቲ ዜካርየካ ዘሎ ሰብ ኰይንኩም ብሓባር ነቲ ኣፓርታማ ብምርኣይ፡ ንዅሉ ብልሽታት ክልቴኹም ሓሓደ ቅዳሕ ተቐቢልኩም ኣብ እትፍርሙሉ ሰነድ ኣስፍሮ።

• ኣፓርታማ ምስ ምሉእ ኣቕሓኡ ትካረ እንተ ሃሊኻ፡ ዝርዝር ናይቶም ኣብቲ ኣፓርታማ ዚርከቡ ኵሎም ነገራት ኣዳልው። እተበላሸወ ነገር እንተ ሃልዩ ኣስተውዕለሉ። በቶም ኣብቲ ዝርዝር እተኻተቱ ነገራት ውዕል ምስ ኣተኹም፡ ክልቴኹም ትፍርሙሉሞ ነፍስወከፍኩም ሓደ ቅዳሕ ትወስዱ።

ገንዘብካ ፍለጦ

ብዝያዳ ኣንብብwww.elpriskollen.sewww.omboende.se

7

ኣፓርታማ ምዕዳግኣፓርታማ ምስ እትዕድግ፡ ብግብሪ ካብ ሓደ ተራድኦ ኣባይቲ ኢኻ ብርኪ እትዕድግ ዘሎኻ። እዚ ብርኪ ኣብቲ ኣፓርታማ ናይ እትነብረሉ መሰል የጐናጽፈካ። እቲ ተራድኦ እቲ ኣፓርታማ ንዚርከበሉ ህንጻ፡ ነቲ መሬትን ኣብ ልዕሊኡ ንዘሎ ቦታን ይውንኖ።

ብውሑዱ 15 ሚእታዊት ናይቲ ዋጋ ኣዋህሊልካ ብጥረ ገንዘብ ክትከፍሎ ከም ዘሎካ ትሑዝ ግበሮ። እቲ ዝተረፈ 85 ሚእታዊት፡ ካብ ባንክ ክትልቃሕ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ንወጻእታት ወለድ፡ ምንካይ ዕዳ (amortisation) ዚሽፍን፡ ከምኡ'ውን ጽባቐ እቲ ህንጻ ንምዕቃብ፡ ነቲ ተራድኦ ወርሓዊ እትኸፍሎ ክፍሊት ኣሎ። ከም ምቕባእ ቀለም (wallpapering) ወይ ምቕያር ባይታ ዝኣመሰሉ ነቲ ህንጻ ዜድልይዎ ጽገናታት ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣሎካ። ምድጃ፡ ፍሪጅ፡ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ምስ ዚስበር፡ ክትከፍሎ ዚግባኣካ ንስኻ ኢኻ።

ክትግዕዝ ምስ እትደልይ፡ ነቲ ኣፓርታማ ክትሸጦ ኢኻ። ዋጋታት ኣብ ዝዓርገሉ ጊዜ ክትሸጦ ዕድል እንተ ገበርካ፡ ክትከስብ ትኽእል ኢኻ። ዕድል እንተ ዘይገበርካሞ ዋጋታት ኣብ ዚወርደሉ ጊዜ እንተ ሸጥካዮ፡ ገንዘብ ክትከስር ትኽእል ኢኻ። ዋላ'ውን ነቲ ኣፓርታማ ሽጦ፡ ንባንክ ዚኽፈል ዘይተዳቐሰ ዕዳ ኪጸንሓካ ይኽእል እዩ።

ኣፓርታማ ክትዕድግ ትሓስብ እንተ ሃሊኻ ዜድልየካ ምስንዳኣት፥• ብ6 ሚእታዊት ወለድ ጥራይ ከም እትዛዝሞ ተኣማመን።• ስለቲ ኣብ ነዊሕ ጊዜ ዚኽፈል ለቓሕ ናብ ባንክ ኣመልክት።• ንዓመታዊ ጸብጻብ ተራድኦ ኣባይቲ ኣንብቦ።• ኣየኖት ጽገናታት ተወጢኖም ምህላዎም ንሓደ ኣባል ቦርድ ተወከሶ።

ዓበይቲ ጽገናታት፡ ክፍሊት ኪዛይድ እዩ ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ።• እቲ ተራድኦ ኣብ ምንቍልቋል ዋጋ እቲ ንብረት ቀጥ ዝበለ መስመር

ይጥቀም እንተ ዀይኑ ኣረጋግጽ። ተለዋዋጢ ኣገባባት ምንቍልቋል ዋጋታት ከይጥቀም ይኽእል እዩ። ብዝያዳ ኣብ www.omboende.se ተወከስ።

• ኣየኖት ሕግታት ኣብ ግብሪ ከም ዚውዕሉ ንዚገልጹ ሕጋጋት እቲ ተራድኦ ኣንብቦም።

• ንዝርዝራት እቲ ኣፓርታማ ኣንቢብካ፡ ኣፓርታማኻ ሕጋዊ መዳቐሲ ዕዳ (lien)ተባሂሉ ከም ዘይተተሓዘ ኣረጋግጽ።

• ንዓዳጎ ኣፓርታማ ተባሂሉ እተሰናድአ፡ ኣብ www.omboende.se ዚርከብ መረጋገጽታት (checklists) ተጠቐም።

ምዕዳግ መጽለሊገዛ ኣብ እትውንነሉ እዋን፡ ንዅሉ እቲ ወጻእታት ባዕልኻ ኢኻ እትኸፍሎ። ወናኒ ገዛ ወትሩ ኬዐርዮ ዘለዎ ገለ ነገር ኣሎ። ዘይሓሰብካሎም ወጻእታት ኪህልዉ ከም ዚኽእሉ ከቶ ቅቡል ውሰዶ። ንኸም መኣከቢ ጐሓፍ፡ መጽሓር ሓምዅስቲ፡ ናውቲ ስፍራ ኣታኽልቲ፡ መድሕን ኣባይትን መውዓይን ዝኣመሰለ ወጻእታት ኪህልወካ እዩ። እንተላይ ዓመታዊ ክፍሊታት ንብረት፡ መመዝገቢ ሕጋዊ ዋንነት፡ ትሕጃ ለቓሕ (mortgage)፡ ከምኡ'ውን ንምቅርራብ ሓደስቲ ለቓሓት ክትከፍል ኢኻ። ወነንቲ ኣባይቲ ንዘይገመትዎ ወጻእታት ዚኸውን ገንዘብ ኬውጽኡ ምእንቲ ኪኽእሉ፡ ውሕስነት ገንዘብ የድልዮም።

ገዛ ክትዕድግ ከሎኻ፡ ብውሑዱ 15 ሚእታዊት ናይቲ ዋጋ ብእተዋህለለ ጥረ ገንዘብ ክትከፍሎ ይግባእ። እቲ ዝተረፈ 85 ሚእታዊት ግና፡ ካብ ባንክ ክትልቃሕ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መጻኢ ክትግዕዝ እንተ ደለኻ፡ ነቲ ገዛ ክትሸጦ ኢኻ። ዋጋታት ኣብ ዝዓርገሉ ጊዜ ክትሸጦ ዕድል እንተ ገበርካ፡ ክትከስብ ትኽእል ኢኻ። ብምኽንያት ምፍልላይ ሓዳር ወይ ምቕያር ስራሕ ክትግዕዝ እንተ ተገብኣካ፡ ዋላ'ውን ዋጋታት እንተ ኣንቈልቈለ፡ ምናልባት ገንዘብ ከም እትኸስር እናፈለጥካ ክትሸጦ ትኽእል ኢኻ። ብሓቂ ዕድለኛ እንተ

ዘይኰንካ ግና፡ ዋላ'ውን ነቲ ኣፓርታማ ሽጦ፡ ንባንክ ዚኽፈል ዘይተዳቐሰ ዕዳ ኪጸንሓካ ይኽእል እዩ።

ኣፓርታማ ክትዕድግ ትሓስብ እንተ ሃሊኻ ዜድልየካ ምስንዳኣት፥• ፋይናንስካ ኣመሓድር። ብ6 ሚእታዊት ወለድ የዋጽኣካ ድዩ?

• ኣብ ነዊሕ ጊዜ ዚኽፈል ለቓሕ ምስ ባንክ ኣወሃህድ።• ነቲ ገዛ ተጠንቂቕካ ረኣዮ። መታራይ (surveyor) ዓብይ ኣስተዋጽኦ ኪህልዎ

ይኽእል እዩ።• ንዓዳጎ ኣፓርታማ ተባሂሉ እተሰናድአ፡ ኣብ www.omboende.se

ዚርከብ መረጋገጽታት (checklists) ተጠቐም።

ጸዓትን ገንዘብን ከመይ ከም እትቝጥብእተህልኾ ጸዓት እናነከኻ፡ ገንዘብካ እትቝጥበሎም ንኣብነት፡ ናይ ኮምፕዩተርን ቴሌቪዥንን ሓይሊ ምሉእ ብምሉእ ኣጥፍኣዮ - እዚ ማለት፡ ኣብ ጊዝያዊ ዕረፍቲ (standby mode ኣይትሕደገን። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ www.energimyndigheten.se ተወኪስካ፡ ንገምጋም ጸዓቶም ፈትኖ።

ሚዛን ወጻእታትካ ሓልዎኣብ መንጎ እቲ ብእዋናዊ መጠን ወለድ እትኸፍሎን ብግምት እተተመነ 5.5% መጠንን ዘሎ ክፍተት ዓቅቦ። እቲ መጠን ጸኒሑ ካብ 5.5% ምስ ዚዛይድ፡ ካብቲ ዘዋህለልካዮ ገንዘብ ብምውጻእ፡ ካብ ካልኦት ወጻእታት ምንካይ ኣይከድልየካን እዩ። (እቲ ካልእ ተኽእሎ፡ መጠን ወለድ ኣብ ዚጐድለሉ ጊዜ ነቲ ብትሕጃ (mortgage) እተለቃሕካዮ ቀልጢፍካ ምኽፋል እዩ።)

ወሃቢ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ቀይርካ ገንዘብ ዓቅብከከምቲ እተህልኾ ኤሌክትሪሲቲ፡ ወሃቢ ኣገልግሎትካ ብምቕያር፡ ኣብ ዓመት ካብ ውሑድ ኣማኢት ክሳብ ኣሽሓት ክሮነር ክተዋህልል ትኽእል ኢኻ።ኣብ www.konsumenternas.se ወይ www.elpriskollen.se፡ ከመይ ከም እትገብር ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ግብራዊ ሓበሬታ

ገንዘብካ ፍለጦ

ከም ዴክስተር ዝኣመሰለ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ህጻን፡ ሕመረት ተድላ እታ ቤት ይኸውን።

8

ቍጡብ ምዝዋርሃልኪ ነዳዲ ብልዕሊ 10 ሚእታዊት ነኪኻ፡ ብቝጡብ ኣገባብ እናዘወርካ ዓመታዊ 1,500 ክሮነር ክትቍጥብ ትኽእል ኢኻ፥• ክንዲ እተኸኣለካ መጠን ብልዑል ማርሻ ዘውር።• ምዕሩይ ፍጥነት ይሃልኻ።• ርሕቀትካ ሓልው።• ማኪናኻ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ደው ከይትብል፡ ፍጥነታትካ እትንክየሉ

ጊዜ ብልክዕ ፍለጦ።• ሞተርካ ብዘይ ምኽንይት ኣይትወልዓዮ።• ቍልቍል ክትወርድ ኰነ ንዓቐብ ክትድይብ ከሎኻ ፍጥነትካ ምዕሩይ ግበሮ።

ብዛዕባ ቍጡብ ኣዘዋውራ ብዝያዳ ኣብ www.trafikverket. Se ኣንብብ።ምውናን ማኪናማኪና ዋላ'ውን ከይተገልገልካላ ኣብ ፍቑድ መዓሸጊ ምስ እትዕሽጋ እያ ገንዘብ እትሓተካ። ኣውራ ሓደስቲ መኻይን ትምየናአን ኣብቲ ፈለማ ቅጽበት ስለ ዚንክይ፡ እንተላይ ነዞም ዚስዕቡ ክትከፍል ይግባእ፥• ግብርታት• መድሕን• መመርመሪ• ኣገልግሎት• መሐደስታት• ጽገናኣብ bilsvar.se፡ ብዛዕባ እተፈላለያ ስራሓት መኻይን ኣንቢብካ፡ ወጻእታት በበይነን መኻይን ክንደይ ምዃኑ ክትቅምር ትኽእል ኢኻ።

ማኪና ኣብ እትዕድገሉ እዋን፡ ብሓደ ነገር ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ - ክቡር ክትከፍለላ ኢኻ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ማኪናኻ ዓብይ ናጽነት ትህበካ። ምናልባት ኣብ ምስ መሳርሕቲ ተጐጅልካ ብማኪና ኣብ ዚግበር ምብጽጻሕ (carpool) ክትጽንበር፡ ወይ ክትካረሞ፡ ነታ ማኪና ምስ እትደልያ ጥራይ ክትከፍለላ ትኽእል ኢኻ።

ማኪና

ገንዘብካ ፍለጦ

ናትካ ማኪና ወጻእታት ኣብ ገጽ 23 ኣብ ዚርኸብ

ኣብ ጕጅለኣዊ ምብጽጻሕ ብማኪና (carpool) ተጸንበርማዕረ እቲ ማኪና ወኒንካ እተውጽኦ ከየውጻኻ፡ ምስ ዜድልየካ ተጠቃማይ ማኪና ክትከውን ኢኻ። መብዛሕትኡ ጊዜ ምስ ኣካረይቲ ማሕበራት ተኻረይቲ ወናኖ ዚተኣሳሰራ፡ ጕጅለታት ምብጽጻሕ ብማኪና (carpools) ኣብ መላእ እዛ ሃገር ኣለዋ።

ሓበሬታ

ክትዝውራ ምስ እትደልይ፡ ነቲ መዕቘሪ ነዳዲ ክትመልኦ ኣሎካ እዚኣ ኤማ እያ፡ ክትነቅል ደልያ ኣላ።

ምዕዳግ ማኪናከም ሕጊ፡ ማኪና ካብ ሸያጣይ ኣምሳያ ምዕዳግ ካብ ውልቀ-ሰብ ምዕዳግ ይሓስር። እቲ ጸገም ግና፡ እታ ማኪና ገለ ነገር ምስ ዚጐድላ፡ ኣቤቱታኻ ክተስምዕ ኣይትኽእልን ኢኻ።ስለዚ እምበኣር፡ ዕድጊ ቅድሚ ምፍጻምካ ነታ ማኪና የዐሪኻ ክትምርምራን ኣብ ቅድሚ እቲ ሸያጣይ ድሕነታ ክተረጋግጽን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፥• እታ ማኪና ክትምርመር ናብ ጋራጅ ወይ ናብ መርማሪ ተሽከርከርቲ

ክተእትዋ ትኽእል ኢኻ።• ሸያጣይ እቲ ምዝጉብ ወናኒኣ ምዃኑን እታ ተሽከርካሪት ዕዳ ከም ዘይብላን

ኣረጋግጽ። ትካል መጐዓዝያ ሽወደን ኪተሓባበረካ ይኽእል እዩ።• ውዕል መሸጣ ተፈራረም። ኣብነታት ኣብ www.konsumentverket.se

ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ካብ ሸያጣይ ትካል ምስ እትዕድጋ፡ ሕጊ ዕድግታት ሃለኽቲ ተግባራዊ ይኸውን፤ ካብ ብዙሓት ተኽእሎታት፡ ኣንጻር ዝዀነ ኣበር ኣቤቱታኻ ክተቕርብ ዕድል ይህበካ።• ዋንነት ንብረት እታ ማኪና ትጠልብ።• ነታ ማኪና ክትወስዳ ከሎኻ፡ መቐበሊ መርመራ ኣካይደላ።

እቲ መረጋገጺ (checklist) ኣብ www.konsumentverket.se ይርከብ።

ሞዴል ማኪና ቶዮታ ኦሪስ ናትካ ማኪና 1,6

ዓመተ-ምሕረት ሞዴል ማኪና 2008 ዋጋ ዕድጊ 224 000 ነዳዲ Gas ወጻእታት ነዳዲ 8 800 ግብሪ፡ መመርመሪ 700 መድሕን 4 400 ጽገናታት፡ ኣገልግሎት ወዘተ 7 000 ጐማታት 1 500 ምንቍልቋል ዋጋ 14 000

ድምር ወጻእታት

ኣብ ዓመት 37 000 ኣብ ወርሒ 3 000 ኣብ 10 ኪሎሜትር 25

ማኪና ኣን ኣብ ዓመት ክንደይ ከምትውድእተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ

www.bilsvar.se

ብዝያዳ ኣንብብwww.konsumentverket.se www.bilsvar.se

9

ተንቀሳቓሲት ተሌፎን ኣብ ወጻኢ ሃገር ምጥቃምኣብ ሃገርካ ሽወደን ከሎኻ፡ ንዋሕዚ ሓበሬታ ምናልባት ቀዋሚ ክፍሊት ትኸፍል ትኸውን። ናብ ወጻኢ ሃገር ምስ እትኸይድ፡ ኣብ ሽወደን ከሎኻ ትኸፍሎ ብዝነበካ መጠን ክትጥቀም ኪኸብረካ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንምድዋል፡ ሓጺር መልእኽቲ ጽሑፍ ንምስዳድ፡ ከምኡ'ውን ኢንተርነት ክትጥቀም ዝለዓለ ክፍሊት ደረት ኣለዎ። ወጻእታትካ ንምክትታል፡ ወሃቢ ኣገልግሎትካ ኣብ ውሁብ መጠን ምስ በጻሕካ ኪሕብረካ ክትውከሶ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ወጻኢ ሃገር ክትጐዓዝ ከሎኻ፡ ነዞም ዚስዕቡ ኣስተብህለሎም፥• ኣብታ ክትበጽሓ ከይድካያ ዘሎኻ ሃገር ንዘሎ ወሃቢ ኣገልግሎት፡ ንምድዋልን

ኢንተርነት ንምጥቃምን ክንደይ ምዃኑ ተወከሶ።• እቶም ባዕላቶም ምስ ኢንተርነት ዚራኸቡ ፕሮግራማት ዕጸዎም። ኣብ እዋን

ምንቅስቓስ ንዚለዋወጥ ኣገልግሎታት ኢንተርነት'ውን ዕጸዎ።• ተሌፎንካ ብሓደ ወሃቢ ኣገልግሎት ጥራይ እተመስጠረት እንተ ዘይዀይና፡

ናይት ሃገር ካርድ ብጥረ ገንዘብ ዓዲግካ ክትድውልን ኢንተርነት ክትጥቀምን ትኽእል ኢኻ።

ዕድጊ ካብ ቤትካብኢንተርነት ወይ ብተሌፎን፡ ወይ ብመኣዘዚ ደብዳበ ዚፍጸም ዕድጊ፡ “ናይ ርሕቀት ዕድጊ” ይበሃል። ብመሰረት ሕጊ፡ ብዛዕባ ዕድግኽ ሓሳብካ ክትልውጥ ናይ 14 መዓልታት ዕድል ኣሎካ። እዚ ሕጊ ዋላ'ውን እቲ ዚሸጠልካ ሰብ ናብ ቤትካ እንተ መጸ፡ ወይ፡ ኣብ ሞል ኰነ ኣብ ጐደና ናብ ዚርከብ ሸያጣይ ከይድካ ምስ እትዕድግ ተግባራዊ እዩ።

መሸጣታት ተሌፎንሸያጣይ ብተሌፎን ኪድውለልካ ንቡር ብምዃኑ፡ እቲ ዝርርብ ቶሎ ኪፍጸም ይኽእል እዩ። ጸኒሕካ ሓሳብካ ምስ እትልውጥ ግና፡ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ክትመልሶ ወርትግ መሰል ኣሎካ። ሸያጦ ተሌፎን ኪድውሉልካ ምስ ዘይትደልይ፡ ቍጽርኻ ንጻውዒታት መሸጣ ብናጻ ብመገዲ NIX መዝገብ ክትልኵቶ ትኽእል ኢኻ፥077-228 00 00.ሓበሬታ፡ ሸያጣይ ተሌፎን እንተ ደወለልካ፥• ምስ ዘየገድሰካ፡ ነቲ ጠለብ ብንጹር ነጺግካ ነቲ ጻውዒት ዛዝሞ።• እንተ ኣገዲሱካ፡ ብድምር ክንደይ ክትከፍል ከም ዘሎካን ኣብ ነዊሕ ጊዜ

ኪኽፈል ዚከኣል እንተ ዀይኑን ሕተት።• ብዛዕባ ዕድግኻ ሓሳብካ ክትቅይር ስለ እትኽእል፡ ስም እቲ ኵባንያ፡

ከምኡ'ውን ቍጽሪ ተሌፎኑን ኣድራሻኡን ሕተት።• ናይ ዘይጠለብካዮ ነገር ቢል እንተ ተወሃብካ፡ ዝዀነ ነገር ከም ዘይኣዘዝካ

ነቲ ኵባንያ ጸሓፈሉ።

ተሌፎን፡ ቴለቪዥንን ኢንተርነትን

ገንዘብካ ፍለጦ

ብዝያዳ ኣንብብwww.telekomradgivarna.se www.pts.se www.konsumenteuropa.sewww.bredbandskollen.sewww.konsumentverket.se

“ባንከይ ንዕድግታተይ ዚሰርዓሉ ፕሮግራም ኣለዎ። እቲ ገንዘብ ኣበይ የብል ከም ዘሎ ንምግንዛብ ኣዝዩ ቀሊል እዩ” ትብል ኣን።

ወሃብቲ ኣገልግሎት ክትቅይር ምስ እትፍትን፡ ምናልባት ፍጹም ቀሊል ዘይምዃኑ ኣስተውዒልካ ኣሎኻ። ብዙሕት ሸያጦን ሓያሎ ኣማራጽታትን ኣለዉ። ኣገልግሎታት መብዛሕትኡ ጊዜ ብጣምራ (package) ስለ ዚሽየጥ፡ ምውድዳሩ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

10

መግቢ እምብዛ ኢና እንጕሕፍሓደ ካብቲ ዝዓበየ ጸገም ብዙሕ መግቢ ብዘይ ምኽንያት ንጕሕፍ ምዃንና እዩ። ሃገራዊ ትካል መግቢ ሽወደን፡ ኣብዚ ኣብ ሽወደን ሓደ ሰብ ዓመታዊ ብኣሽሓት ክሮነር ዚግመት መግቢ ከም ዚጕሕፍ ቀሚሩ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ባህ ኣብ ዚብለካ ነገር ክተውዕሎ እትኽእል መጠን ገንዘብ እዩ። እቲ "ብሉጽ" ዋላ'ውን እንተ ሓለፎ፡ ሸትቶን ጠዓሞን። እቲ መግቢ መብዛሕትኡ ጊዜ ኪብላዕ ዚኽእል እዩ።ትሑት ዝዋጋኦም መግብታት ብኸመይ ትረክብ• ኣብዛ ሰሙን ናይ እትምገቦ ውጥን ኣውጽእ።• ዝርዝር ናይ እትዕድጎ ስፔዛ ኣስፍር።• ኣብ ዝርዝር ስፔዛኻ ንዘለዉ ነገራት ጥራይ ዓድግ።• ፍረታትን ኣሕምልትን ከከም ወቕቱ ዓድግ።• ዝዘሓለ ኣሕምልቲ ተጠቐም - ዝሓሰረን ንምብሳሉ'ውን ዝቐለለን ስለ ዝዀነ።• ውሑድ ስጋ፡ ብዙሕ ፋጅዮሊን ብርስንን ተመገብ።• ካብቲ ዚተርፍ መግቢ ንምሳሕ ዝኸውን ዓሽግ።

ንመግቢ ባዕልኻ ክትከፍል ከሎኻ፡ ክብር ዝበለ ምዃኑ ተስተውዕል። ዓብይ እንተ ዀይንካ፡ ንወርሒ ኣብ ኣስታት 2,000 ክሮነር ተመርኰስ። ብተመሳሳሊ፡ ወጻእታት መግቢ ብእትበልዖን ብውጥን መኣድኻን ይጽለው'ኳ እንተ ዀነ፡ ባዕልኻ ክተተኣኻኽሎ እትኽእል ነገር እዩ።

መግቢ

ንኣሽቱ ዕድግታት፡ ኣብ ሓደ ዓመት ማዕረ ክንዲ እዚ እዮም ክተውጽእ ዚቕስቡኻ፥

ቡን ኣብ ካፌ ሓንሳእ ኣብ ሰሙን (ca. 50 ክሮነር) 2,600 kr

ዕሹግ ከረሜላ 3 hg ኣብ ሰሙን (6 ክሮነር/hg) 936 krልስሉስ መስተታት 1 ንመዓልቲ (ca. 10 ክሮነር) 3,650 krብርቱዕ ቢራ 3 ንሰሙን (ca. 15 ክሮነር ea.) 2,160 krሽጋራ 1 ፓኮ ንመዓልቲ (ca. 53 ክሮነር/ፓኮ) 19,350 krትምባኾ 3 ዕሹጋት ንሰሙን (ca. 43 ክሮነር ea.) 6,700 krመጽሔታት 2 ንወርሒ (50 kronor) 1,200

ንኣሽቱ ዕድግታት ኣብ ፖርታፎልዮኻ ኣሸገርቲ እዮም

ወጺኻ ኣብ ክንዲ ትምሳሕ ናብ ስራሕ ምሳሕ ምስ እትማላእ፡ ኣብ ወርሒ ብገምጋም 1,200 ክሮነር ክተዋህልል ትኽእል ኢኻ።

ምሳሕ ተማሊእካ ገንዘብ ቈጥብ

ብዝያዳ ኣንብብwww.slv.se/matvanekollenwww.slv.se/matsvinnskollen

ገንዘብካ ፍለጦ

እቲ ዚቕረብ መግቢ መብዛሕትኡ ጊዜ ኣን ትውስኖ'ኳ እንተ ዀነት፡ እናሓንሳእ ግና ዴክስተር'ውን ተጸንቢሩ ኪሕግዝ ይፍቀዶ እዩ።

11

ሓገዝ ኣብ ምምራጽ መድሕንwww.konsumenternas.se www.minpension.se

ገንዘብካ ፍለጦ

መድሕን ወናኒ/ኣካራዪ ገዛመድሕን ወናኒ/ኣካራዪ ገዛ እንተ ኣተኻ፡ ንብረትካ እንተ ዓነወ ወይ እንተ ጠፍአ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንብረት ካልኦት ሰባት ስለ ዘዕነኻ ክትከፍል እንተ ሃልዩካ፡ ካሕሳ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ። ካሕሳ ኬውህበካ ኣብ ዚኽእል ብቤትፍርዲ ኪዳቐስ ኣብ ዘለዎ ምጕት ምስ እትጽመድ፡ ሕጋዊ ጽላል መብዛሕትኡ ጊዜ ተኻቲቱ ኣሎ። ዝበዝሐ መድሕን ወነንቲ/ኣካረይቲ ኣባይቲ፡ እንተላይ ብሕክምናዊ ክንክንን ንዚኽሰር ክፍሊታትን ዚኽሕሰካ መድሕን ጕዕዞን ምክልኻል መጥቃዕትን ኣለዎ።

ንኣብነት ንኮምፕዩተርካ ቡን እንተ ኸዓኻላ ካሕሳ ብዘውህበካ መድሕን ኵሉ ሓደጋታት፡ ንመድሕን ዋንነት/ኣካራይነት ገዛኻ ክትድርዖ ትኽእል ኢኻ።

መድሕን ሕማምን ሓደጋንኣመና ተኻኢልካ ዓራት እንተ ሓዝካ ወይ ከቢድ ሓደጋ እንተ ጐነፈካ፡ መድሕን ሕማምን ሓደጋን ክንየው እቲ ካብ ማሕበረሰብ ብመገዲ ምምሕዳር ማሕበራዊ መድሕን ሽወደን እትቕበሎ ካሕሳ ይህበካ። ነባሪ ማህሰይቲ እንተ ወረደካ፡ ከምኡ'ውን ንወጻእታት ሕክምና፡ ካሕሳ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ።

መድሕን ቈልዑብሓደጋ ኰነ ብሕማም ነባሪ ማህሰይቲ ዝወረዶም ቈልዑ ካብ ምምሕዳር ማሕበራዊ መድሕን ብተዛማዲ ትሑት ካሕሳ ይቕበሉ። መድሕን ቈልዑ ተወሳኺ ካሕሳ ኪህብ ይኽእል እዩ።

መድሕን ተሽከርከርቲማኪና ትውንን እንተ ዀይንካ፡ መድሕን ተሽከርከርቲ ኪህልወካ ብሕጊ ትግደድ ኢኻ። ሓደጋ እንተ ኣውረድካ፡ መድሕን ተሽከርካሪትካ ንኣካላዊ ማህሰይትታትን ጕድኣትን ከምኡ'ውን ነታ ናይቲ ካልእ ኣውቲስታ ማኪናን ንብረትን ካሕሳ ይህብ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ ልዕሊ ማኪናኻ ንዚወርድ ጕድኣት ካሕሳ ኣይትቕበልን። ስለ እዚ እምበኣር፡ ሓፈሻዊ መድሕን ወይ መድሕን ድሩት ጕድኣት የድልየካ።

መድሕን ኮምፕዩተርን መድሕን ካልእ እተፍርየሉ ነገርንኣብ መሸጣ እተዋፈሩ ሰባት መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ገለ ቍሩብ ክብር ዝበለ ነገር ከም ቴሌቪዥን፡ ኮምፕዩተር፡ ወይ ተንቀሳኣቓሲት ተኤፎን ክትዕድግ ከሎኻ፡ መድሕን ፍሉይ ፍርያት ክትዕድግ ዕድል ኪህቡኻ እዮም። እንተዀነ፡ ብዘይ መድሕን ፍርያት'ውን እኹል ጽላል መድሕን ከም ዘሎካ ኣይትዘንግዕ። ስለቲ እተሰበረካ ነገር ኣቤቱታኻ ክተቕርብ ንሰለስተ ዓመታት ዚጸንሕ መሰል ኣሎካ። መብዛሕትኡ ጊዜ፡ እቲ ኣፍራዪ ትካል ንእተወሰነ ጊዜ ውሕስነት ኪህበካ እዩ። ብተወሳኺ፡ ካሕሳ ብመገዲ ዋንነት/ኣካራይነት ገዛኻ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ።

መድሕን ስራሕ-ኣልቦነትን መድሕን ማዕከን ስራሕ-ኣልቦነትንዝሰርሕ ዘበለን ንገለ ኵነታት ዜማልእን ኵሉ ሸፈነ ስራሕ-ኣልቦነት ኣለዎ። ስራሕ ምስ እትስእን፡ ብተዛማዲ ትሑት ካሕሳ ክትቅበል ኢኻ - መበገሲ መጠን። ኣባል ማዕከን መድሕን ስራሕ-ኣልቦነት ምስ እትኸውን፡ ብመሰረት ክፍሊታትካ፡ ልዕል ዝበለ መጠን ካሕሳ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ።ንዅነታት መድሕን ማዕከን ስራሕ-ኣልቦነትን ብማዕከንካ ማዕረ ክንደይ ካሕሳ ክትቅበል ከም እትኽእልን ብዝያዳ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣንብብ።ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ቦርድ መድሕን ስራሕ-ኣልቦነት ሽወደን ብ www.iaf.se፡ መላግቦታት (links) በበይነን መድሕን ማዕከናት ስራሕ-ኣልቦነት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

የድልየኒ እዩ ዝበልካዮ መድሕን ባዕልኻ ወስኖ፡ እንተዀነ፡ ሓደጋ እንተ ኣጋጠመካ፡ ፋይናንሳዊ ውሕስነት እየን ዚህባኻ። መድሕን ቅድሚ ምዕዳግካ፡ ንቅድመ-ዕድጊ ሓበሬታ ተጠንቂቕካ ኣንብቦ። ክትፈልጦ ዚግባኣካ ጽማቝ ኣገደስቲ ኵነታትን ፍሉይነታትን ኣሎ።

መድሕን

ኵባንያታት መድሕን ኣወዳድር

ብመገዲ www.konsumenternas.se፡ ንእተፈላለያ ኵባንያታት መድሕን ክተወዳድር ትኽእል ኢኻ።

ሓበሬታ

መረጋገጺ - እንታይ ዓይነት ፖሊሲታት መድሕን ከም ዘድልየካ?

መድሕን ዋንነት/ኣካራይነት ኣባይቲ

1ኣጠቓላሊ

ኣካራዪ-ወናኒ

ገዛ

መድሕን ሕማምን ሓደጋን

ቈልዑን ኣባጽሕን

ህይወት

መድሕን ማዕከን ስራሕ-ኣልቦነት

ተሽከርካሪት (ማኪና፡ ሞተርቢቺክለታ፡ ሞተሪኖ [moped]፡ ወዘተ)

ጥሮታ

እንስሳ ዘቤት

12

መሓለውታ ቍሩብ ዓንዲ-ሕቘ ኪዀነካ እዩመሓለውታ ዚዀነካ ክተዋህልል እንተ ኽኢልካ፡ ንወርሒ ብብዙሕ ቢላት ብቐሊሉ ክትሰግራ፡ ወይ ብጊዜ መሸጣ ሓጋይ ሓድሽ ጃኬት ክረምቲ ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ። ደሓን ውሕስነት ተሰሚዑካን ሕስር ብዘለ ሜላን ክትነብር ትኽእል ኢኻ። መበገሲ ዚዀነካ 10 ሚእታዊት ናይ ኵሉ እቶትካ ወርሒ-መጸ ንዓመት ክተዋህልል ፈትን። ሽዑ እናደልደልካ ክትመጽእ ኢኻ።

ንገለ ፍሉይ ነገር ኣዋህልልንነዊሕ ጊዜ ኣብ እተዋህልለሉ እዋን፡ ሓያሎ እተፈላለዩ ኣማራጽታት ኣለዉኻ። ካብ መንጎ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክትሓርይ ትኽእል ኢኻ፥

• ወለድ ዘለዎ ሕሳብ ባንክ።• ተተሚኑ ክብን ለጠቕን ኪብል ዚኽእል ማዕከናት።• ልዑል ሱታፌ ዚጠልቡን ተተሚኖም ክብን ለጠቕን ዚብሉ ብርክታት።• ናይ ማዕከናትን ብርክታትን ውህለላታትካ ኣብ ቅጥዒ ዕዳ ግብሪ ኪገሃድ

ቀሊል ዚገብሮ ሕሳባት ውህለላ ወፍሪ።

ብልቢ እትደልዮ ነገር ወይ ክትገብሮ ባህ ዝብለካ ነገር ኣለልይ። ሽዑ ውህለላ ክትጅምር ቀሊል ኪዀነልካ እዩ። ይኹን'ምበር፡ ፈለማ ንዘይገመትካዮ ወጻእታት ዚኸውን መሓለውታ ኣዋህልል።

ስለቲ እትሓልሞ ነገር ኣዋህልል...

ንውህለላታትን ዘሎ በበይኑ ኣማራጽታትን ብዚምልከት ብዝያዳ ኣብ Konsumenternas ኣገልግሎት ባንክን መርበብሓበሬታ መድሕንን ኣብ www.konsumenternas.se ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።ንውህለላ ዚሕግዙ ሰለስተ ጠቐምቲ ሓሳባት

• ብልቢ እትደልዮ ነገር ወይ ክትገብሮ ባህ ዝብለካ ነገር ኣለልይ። ሽዑ ውህለላ ክትጅምር ቀሊል ኪዀነልካ እዩ።

• እቶትካ ምስ ዚዛይድ ውህለላኻውን ክብ ኣብሎ።• እቶት ኣብ እትቕበለሉ እዋን፡ ብኡ ብኡ ናብ ሕሳብ ውህለላኻ ኣሰጋግሮ።

ገንዘብካ ፍለጦ

ከፊል ካብ ደሞዝካ ብኡ ብኡ ናብ ሕሳብ ውህለላኻ ኣሰጋግሮቅጽበታዊ ምስግጋር ናብ ሕሳብ ውህለላኻን ክፍሊት ምስ መጸ እቲ ገንዘብ ብኡ ብኡ ምስግጋሩን እተረጋግጸሉ ኣገባብ ክትሰርዕ ትኽእል ኢኻ። ንውህለላኻ ተኸቲሎም ንዚመጹ ሳዕቤናት ኣድቂቕካ ሕሰበሎም።

ጠቐምቲ ሓሳባት

ኤማ ተወሳኺ ስራሕ ክትረክብ ክኢላ ኣላ። ስለዚ፡ ዝሓለፈ ክረምቲ ናብቲ እምባታት እተጐዓዘትሉ ገንዘብ ክተንብር ክኢላ እያ።

13

ስለቲ እትሓልሞ ነገር ኣዋህልል...ወርሓዊ እተዋህልሎ ተረፍ ገንዘብ እንተ ዘይሃልዩካ፡ ዝዀነ እትልቅሖ ገንዘብ'ውን የብልካን። ኣብ ክንዳኡ፡ የዐርዩ እተረጋግአ ምሕደራ ፋይናንስ ክሳብ ዚህልወካ ተዓገስ።

...ዶስ ምልቃሕ?

ወጻእታት ለቓሕ ገንዘብብገምዘብ ለቓሕ ምስ እትሸማምት፡ ኣብ መጻኢ ክትረኽቦ ብእትትስፈዎ ዘይብልካ ገንዘብ ኢኻ እትጥቀም ዘሎኻ። ካብ መን ተለቂሕካ ብዘየገድስ፡ ለቓሕካ ኵሉ ጊዜ ክትመልሶ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ወለድ ክትከፍል ኣሎካ።

ሓያሎ ኣማራጽታትገንዘብ እትልቅሓሉ እተፈላለየ ኣገባባት ኣሎ፤ ገሊኡ ካብቲ ካልእ ዝኸበረ እዩ። ንኣብነት፡ ከም ቅልጡፍ ለቓሕ ወይ ኣብ ካርድ ለቓሕ ንዘሎ ለቓሕ ምጥቃም ዝኣመሰሉ ብዘይ ትሕጃ ውሕስነት ዚወሃቡ ለቓሓት መብዛሕትኡ ጊዜ ክቡራት እዮም። ጊዜ ወሲድካ ንዘለዉ ኣማራጽታትን ኵነታትን ረኣዮም። ንዅነታት ለቓሕ ዚምልከት ጽቡቕ ጽማቝ ኣብቲ ዝዀነ ዘለቅሓካ ዘሎ ወገን ዚህበካ ቅጥዒ SEKKI ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ዜተኣማምን ኣገባብገለ ነገር ክትዕድግ ደሊኻ ገንዘብ ክትልቃሕ ከሎኻ፡ እቲ ዝዓደግካዮ ንብረት ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ቅድሚ ምዃኑ ምሉእ ለቓሕ ክፈሎ።

ጠቐምቲ ሓሳባት

መሰል ምስራዝ ለቓሕዝዀነ እትልቅሖ ለቓሕ ሓብ ውሽጢ 14 መዓልታት ኪስረዝ ይከኣል። እዚ መቓን ጊዜ ነቲ ውዕል ምስ ፈረምካሉ፡ ወይ ንስኻ ልክዕ ከምቲ ኣለቃሓይ ንትሕዝቶ እቲ ስምምዓት ዝሓቘፈ ናይ ጽሑፍ ሰነድ ካብ እተቐበልካላ ዕለት ይጅምር።ኣስተውዕል፥ ዛጊት እዚ ንለቓሕ ኣባይቲ ኣይምልከትን እዩ።

ግብራዊ መጠን ወለድ፥እቲ ግብራዊ መጠን ወለድ፡ ኣብቲ ለቓሕ ዓመታዊ መጠን ወለድ ተባሂሉ ዚቕመጥ ተወዳዳሪ ዋጋ እዩ።ንወለድ፡ ክፍሊት መኽፈቲ ሕሳብ፡ ንኽፍሊታት መሓበሪ

ሓቅታት

ገንዘብካ ፍለጦ

ምልቃሕ ገንዘብ ዘኸትሎ ወጻእታት ነዚ ይመስል

20,000 ክሮነር ትልቃሕ። ወርሓዊ 647 ክሮነር ንሓሙሽተ ዓመታት ትኸፍል። ኵልምሉ ክንዲ እዚ ኢኻ እትኸፍል፥

40 000

30 000

20 000

10 000

0

ድምር ክፍሊታት፡

38,829 ክሮነር

ክሮነር

ወጻኢ ለቓሕ፡ 18,829 ክሮነር ዚሕሰብ ወለድ፡

34.49%

ዋና ወለድ

ሓንሳእ ጽቡቕ ኣማራጽታት ምስ ረኸብካ ንዝተሓተ መጠን ወለድን ክፍሊታትን ክትመያየጥ ትኽእል ኢኻ።

ቸክ ለቓሕሓደ ኣለቃሓይ ለቓሕ ክትመልስ ትኽእል እንተ ዀይንካ ኬረጋግጽ ይደልይ እዩ። እዚ ከኣ፡ ምስልሳል መረጋገጺ ለቓሕ ይበሃል። ካብ ባዓል-መዚ ግብሪ ሽወደን፡ ባዓል-መዚ ተፈጻምነት ሕጊ ሽወደንን ካብ ካልኦት ትካላት መንግስትን ብዛዕባኻ ዚርከብ ሓበሬታ ለቓሕ ትመልስ እንተ ዀይንካ ኣብ ምግምጋም ይውዕል። እዚ ኸኣ፡ ጸብጻብ ለቓሕ ይበሃል። ስለ ብዙሕ ለቓሓት ኣመልኪትካ እንተ ሃሊኻ፡ ብዙሕ ጸብጻባት ለቓሕ ኪምዝገበካ እዩ። ብዙሕ ዕዳ ዘሎካ እዩ ዜምስል። እቶም ኣለቃሕቲ ኬለቅሑኻ እንተ ሃልይዎም ርግጸኛታት ስለ ዘይኰኑ፡ ዝተሓተ መጠን ለቓሕ ኢኻ ክትቅበል። እንበኣርከስ፡ ብሓቂ ለቓሕ እንተ ኣድለየካ፡ ስለኡ ጥራይ ክተመልክት ኣሎካ።

ብዝያዳ ኣንብብwww.konsumenternas.se

14

18 ዓመት ክሳብ ዚመልኦም 1.4 million ክሮነር ዚግመት ወጻእታት ተጥፍእ። ነፍስወከፍ ክሮና ዋጋ'ኳ እንተ ሃለዋ፡ ደቂ ኪህልዉኻ እንተ ዀይኖም ምሕደራ ፋይናንስካ ክትከታተል ኣገዳሲ እዩ። ንቘልዑ ዚኸውን ምሕደራ ፋይናንስካ እንታይ ከም ዚመስል ወለዲ ብሓባር ኪመያየጡሉ'ውን ኣገዳሲ እዩ።

ብዛዕባ ምሕደራ ፋይናንስ ከም ወላዲ

ኣብ ዝተሓተ እቶት ተመርኰስውላድ ምስ ዚህልወካ፡ ኣምሳያ ምስራሕ፡ ኣብ ገዛ ዀይንካ ውላድካ ክትሕብሕብ ብማለት ስለ ካሕሳ ካብ Forsakringskassan ክተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ካሕሳ መልዕሎ ወለዲ ይበሃል። ነቲ ዝለዓለ መልዕሎ ወለዲ ምስ እተውጽኦ፡ ኣስታት 80 ሚእታዊት ናይ ክፍሊትካ ትረክብ። ምስ ኣበል ቈልዑ፡ ቍሩብ ክብ ይብል።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ Forsakringskassan፡ ናብ Foraldrakollen ብምኻድ፡ ውላድ ምስ ዚህልዉኻ እቶትካ ከመይ ከም ዚቕየር ክትቅምር ትኽእል ኢኻ።

ጅሮሎ፡ ዓራት ህጻናትን መድሕን ቈልዑን ዋጋ የኽፍሉ እዮምኣብቲ መጀመርታ ዜድልዩኻ ሓያሎ ነገራት ኣለዉ፡ ንኣብነት፡ ጅሮሎ፡ ዓራት ቈልዓ፡ ከምኡ'ውን ምናልባት ናይ ማኪና መንበር ቈልዓ። ወጻእታት ክትንክይ እንተ ደሊኻ፡ ዘገልገሉ ክትዕድግ፡ ወይ ምናልባት ካብ ስድራኻ ወይ ኣዕሩኽ-መሓዙትካ ክትልቃሖም ትኽእል።

መድሕን ቈልዑ፡ ልባሳትን ዳያፐራትን እቶም ምናልባት ንስኻ ዘይሓሰብካሎም፡ ነቲ ህጻን ግና ዜድልይዎ ካልኦት ነገራት እዮም።.

ቈልዑን ውሕስነትንኣብ መርበብ ሓበሬታ ትካል ሃለኽቲ ሽወደን፡ ጅሮሎ፡ ናይ ማኪና መንበር ቈልዓ ወይ ካልኦት ፍርያት ቈልዑ ክትዕድግ እንተ ዀይንካ፡ ብዛዕባ ክትሓስቦ ዘሎካ ነገራት ጠቓሚ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ንውሕስነት ቈልዑ ዚምልከት ብዝያዳ፥• www.dinsakerhet.se ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።• www.trafikverket.se

ምሕደራ ፋይናንስካ ንምምሕያሽ ክትገብሮ እትኽእል ነገር• መግብኻ ብዝያዳ ባዕልኻ ክተዳልዎ ተበገስ።• ኣብ ጊዜ ዕረፍቲ ወሊድ፡ ምስ ኣዕሩኽ-መሓዙትካ ቡን ንምስታይ ኣምሳያ

ምውጻእ፡ ናብ ቤትካ ዓድሞም።• ዘገልገለ ዓድግ፡ ወይ ካብ ስድራኻን ኣዕሩኽ-መሓዙትካን ተለቃሕ።

ገንዘብካ ፍለጦ

ዴክስተር ኣዝዩ ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ኣን ከፊል ጊዜኣ እያ ትሰርሕ ዝነበረት። እዛ ስድራቤት እምበኣር፡ ሽዑ እናኣተኣኻኸለት እያ ህይወታ ክትመርሕ ነይርዋ።

ብዝያዳ ኣንብብwww.forsakringskassan.se www.konsumentverket.se

15

ብዙሕ ገንዘብ የብልካን። እንተዀነ፡ ጽቡቕ ልባሳት፡ ሓዳስ ተንቀሳቓሲት ተሌፎን፡ ከምኡ'ውን ምስ ኣዕሩኽ-መሓዙትካ ከተማ ወጺኻ እትዘናግዓሉ ገንዘብ ኣድልዩካ ኣሎ። ብተመሳሳሊ፡ ክትጐዓዝ፡ ፈቓድ መምርሒ ማኪና ክትረክብ፡ ከምኡ'ውን ሓዳስ ኮምፕዩተር ክትዕድግ ሓሊንካ ኣሎኻ።

ፋይናንስካ ከም ዕሸል ሰብ

ሸቶኻ ብኸመይ ትወቅዖ? ወለድኻ ወዲ 18 ዓመት ክሳብ እትኸውን ከፈሉልካ፤ ብድሕረኡኸ?ወለድኻ 18 ዓመት ክሳብ እትመልእ፡ ወይ ናብ ካልኣይ ደረጃ ትቕጽል እንተ ሃሊኻ ወዲ 21 ዓመት ክሳብ እትኸውን ኪኸፍሉልካ ግዴታ ኣለዎም። ሰሪሕካ ትኣትው እንተ ሃሊኻ ግና፡ ኣብቲ ቤት ንምንባር ብእትኸፍሎ ገንዘብ ተኣማመን። ርትዓዊ ዚበሃል ኣየናይ ምዃኑ ንምርኣይ ኣብ ገጽ 16 ኣብ ዘሎ ሰንጠረጅ ተመልከት።

እቶትካ ክተዛይዶ ትኽእል ኢኻ...ትመሃር እንተ ሃሊኻ፡ ምናልባት ኣበል ተመሃራይ ብኸፊል ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ ክፍለጊዜ ትምህርትኻ ጊዜ ምስ ዚህልወካ፡ ምናልባት ኣብ አዓታት ምሸትን ቀዳመ-ሰንበትን ተወሳኺ ስራሕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብጊዜ ክረምቲ፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ኣዝዮም ብዙሓት ስራሓት ክረምቲ ኣለዉ።

... ወይ ወጻእታትካ ነክይበብዓመቱ እንተ ጀመርካዮ፡ ምናልባት ፈቓድ ምምራሕ ማኪናኻ ክትረኽበሉ ዜኽእለካ ብዙሕ ክተዋህልል ትኽእል ኢኻ። ወዲ 15 ዓመት ከሎኻ ውህለላ ጀሚርካ በብወርሑ 200 ክሮነር እንተ ኣዋህለልካ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ጽቡቕ መበገሲ ኪህልወካ እዩ።

ውጥን ውህለላምናልባት ዝዓደግካያ ተንቀሳቓሲት ተሌፎንካ ወርሓዊ 500 ክሮነር ተውጽኣላ ትኸውን። ንኣየኖት ካልኦት ነገራት ቈጢብካ ኢኻ ወርሓዊ 500 ክሮነር

ክትከፍል እትኽእል? ዶስ ዝያዳ ገንዘብ ደሊብካ ኢኻ ክትከፍሎ ሓሲብካ - ስራሕ ብምጅማር? ስራሕ ክትረክብ ትኽእል ዲኻ? ድሮ ስራሕ እንተ ሃልዩካኸ፡ ማዕረ ክንዳኡ ክትሰርሕ ትኽእል ዲኻ?

ገንዘብካ መን ይቈጻጸሮ?ውዕል ክትፈራረም፡ ወዲ 18 ዓመት ክትከውን ይግባእ። እዚ ማለት፡ ዕድመኻ 18 ዓመት እንተ ዘይመልአ፡ ነቲ ዕድጊ ወለድኻ ከም ዚፈቕድዎ እቲ ሸያጣይ ኬረጋግጽ ኣለዎ። ብዝተረፈ፡ እቲ ዕድጊ ኪምለስ ወለድኻ ኪጠልቡ ይኽእሉ እዮም።

16 ዓመት እንተ መሊእካ፡ ሰሪሕካ ዘጥረኻዮ ገንዘብ ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ።

ገንዘብካ ፍለጦ

ምሕደራ ፋይናንስ ኤማ

እቶት ወርሓዊ

ኣበል ትምህርቲ 1,050ተወሳኺ ስራሕ ግብሪ ምስ ተቘረጸ 1,000ድምር 2,050

ወጻእታትተንቀሳቓሲት ተሌፎን 200ልባሳትን ንኣሽቱ ኤሌክትሮኒክስን 500ወጺኻ ምምሳሕ 250ምዝንጋዕ 400ጂምናስቲክስ 250ነዳዲ 150ውህለላ 300ድምር 2,050

“እቲ ምስ ኣዕሩኽ-መሓዙተይ ኰይነ ዝገብሮ ማሕበራዊ ነገራት እዩ ዝያዳ ወጻእታት ዚሓትት” ትብል ኤማ።

16

ኵሉ ድምር ወጻእታት ናይ ባዕልኻ ይኸውንምስ ወለድኻ ኣብ ቤትካ ኣብ ዝነበርካሉ ጊዜ፡ ኣብኡ ኵሉ ነገር ቅሩብ እዩ፥ ናውቲ ክሽነ፡ ኤሌክትሪሲቲ፡ መግቢ፡ መድሕን ወነንቲ/ኣካረይቲ ኣባይቲ፡ ኣቝሑን መዀስተር ማሽንን። ኣብ ናትካ ኣፓርታማ ክትነብር ከሎኻ፡ ኵሉ ነገር ኣብኡ ምህላዉ ክተረጋግጽ ዘሎካ ንስኻ ኢኻ - ክትከፍለሉ ድማ ኣሎካ።

እቲ ገንዘብ እኹል ድዩ?ክራይካ ምስ ተኸፈለ ክንደይ ከም ዚተርፈካ ፍቐዶ። ንመግቢ፡ ንኤሌክትሪሲቲ፡ ንመድሕን ወነንቲ/ኣካረይቲ ኣባይትን ንተንቀሳቓሲት ተሌፎንካን እኹል ድዩ? ኣቝሑ ገዛ፡ ክዳውንትን ጫማታትን ክትዕድግ፡ ከምኡ'ውን ናብ ጂምናዝዩም ክትከይድ የዋጻካ ድዩ? ክተዋህልል ትኽእልዶ?

ኣብ ቤትካ ምስ ወለድኻ ወይ ርእስኻ ክኢልካ ንበር

ወርሓዊ ወጻእታት ጓል-ኣነስተይቲ ወዲ ተባዕታይ ጓል-ኣነስተይቲ ወዲ ተባዕታይ

እንትርፎ ምሳሕ ኣብ መዓልታት ስራሕ፡ ኵሉ መግቢ ኣብ ገዛ እተዳለወ 1 410 1 860 1 410 1 860ሃለኽቲ ነገራት 60 60 100 100ኣቝሑ ገዛን ንኣሽቱ ናውትን 160 160 370 370መራኸብታት ብዙሓንን ቴለኮምዩኒኬሽንን 250 250 940 940ክራይ ገዛ፡ ኤሌክትሪሲቲ 1 840 1 840 5 000 5 000መድሕን ወነንቲ/ኣካረይቲ ኣባይቲ 30 30 90 90ድምር ወጻእታት ስድራቤት 3 750 4 200 7 910 8 360

ኣብ ገዛ ዚኽፈል 3 750 4 200

ካልእ ወጻእታትጽርየት ኣካላት፡ እንተላይ ሕክምና ስኒ 520 390 520 390ልባሳትን ጫማታትን 600 580 600 580ምዝንጋዕ 640 640 640 640ተንቀሳቓሲት ተሌፎን 250 250 250 250ወጺኻ ምምሳሕ (20 ሳዕ/ወርሒ) 1 680 1 680 1 680 1 680ከባቢያዊ ጕዕዞ ብህዝባዊ መጐዓዝያ 530 530 530 530ኣባልነት ማሕበርን ማዕከንን መድሕን ስራሕ-ኣልቦነት 450 450 450 450ድምር ካልእ ወጻእታት 4 670 4 520 4 670 4 520

ድምር ወጻእታት 8 420 8 720 12 580 12 880

*

*

*

*

*

*

*

*

*

*

ምስ ወለድኻ ምንባር ርእስኻ ክኢልካ ምንባር

ቤትካ ምፍላይ

ገንዘብካ ፍለጦ

ብዝያዳ ኣንብብwww.omboende.se

ኣማስያኡ፡ ናይ በይንኻ ኣፓርታማ! መደምደምታ ዅሉ እቲ ጭቕጭቕ - ልሚ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን። ብተመሳሳሊ፡ ኵሉ ሓላፍነት ባዕልኻ ትስከሞ - ናይ ምጽርራይ፡ ሕጽቦ፡ ከምኡ'ውን ምሽማት ስፔዛ። ወርሒ-መጸ እንተላይ ክራይ ናይ ምኽፋል ሓላፍነት ኣሎካ። ካብ ቤትካ ክትግዕዝ ከሎኻ ብዛዕባ ዚህልወካ ወጻእታት ብተወሳኺ ኣንብብ።

ብዝሓሰረ ሜላ ምንባርምናልባት ክራይ ምስ መዳብልቲ ዓርከ-መሓዛኻ ክትማቐሎ፡ ወይ ናብ እኹባት ሰባት ግዒዝካ ሓደስቲ ዓርከ-መሓዛ ክተጥርይ ትኽእል ኢኻ። እምበኣርከስ፡ ነቲ ሓባራዊ ወጻእታት እትማቐልዎ ሓያሎ ሰባት ኣለኹም።

ኣርባዕተ ጠቐምቲ ሓሳባት• ኵሉ ነገር ብሓንሳእ ኣይትዓድጎ፤ ዘድልየካ ነገራት ቀስ ብቐስ መምዮ።• ዘገልገለ ኣቝሑ ገዛ ምዕዳግ እምብዛ ዝሓሰረ እዩ።• ወሃቢ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ሕረ፡ ኣብ www.elpriskollen.se

ተመልከት።• መድሕን ወነንቲ/ኣካረይቲ ኣባይቲ ይሃልኻ፡ ንወርሒ ኣስታት 100 kr ኢኻ

እትኸፍል።

* ሓደ-ርብዒ ካብ ወጻእታት ንምልእቲ ስድራ፡ እዚ ቀመር ኣርባዕተ ኣባላት ዘለዉዋ ስድራ መሰረት ዝገበረ ስለ ዝዀነ።

ኣብነታት ወጻእታት ኣብ መጠነኛ ከተማ ብገዛእ እቶቱ ናይ ዚነብር ወዲ 20 ዓመት

17

ንቐዳማይ ኣፓርታማኻ ክተማልኦ፡ ክንዲ እዚ ኪሓተካ ይኽእል እዩ *

* እዞም ኣብነታት ንዕድጊ ሓደስቲ ናውትን ኣቝሑን ምርኵስ ዝገበሩ ኰይኖም፡ ብዝከኣለካ ነቶም ዝሓሰሩ ኣማራጽታት ከም ዝሓረኻ ሕሰብ።

ናይ ሓደ ሰብ ክሽነ

ስርሓት ካይላ፡ ኣቝሑ ብሩር፡

ምድጃ ማይክሮዌቭን ካልእ ናውቲ ምኽሻን 5 500

መደቀሲ ክፍሊ

ዓራት፡ ፍርናሽ፡ ላምፓዲና፡ ኮሞዲኖ

መንጸፍ፡ መጋረጃታት፡ ትሬቶታት ዘለዎ ኣርማድዮ፡

መንበርን ልባሳት ዓራትን 3 200

መንበሪ ክፍሊ

- ሶፋ፡ ከብሕታት መጻሕፍቲ፡ መቐረቢ ቡን፡ መደገፍ ዘለዎ መንበር፡

መንጸፍ፡ ናይ ላዕለዋይ መንደቕ ኣምፖል፡ ስሩዕ መብራህቲ፡

መጋረጃታትን ናውቲ መራኸብታት ብዙሓንን 16 000

- መስትያት፡ ላምፓዲና፡ ሽጎማኖታት፡

ናውትን መጸራረይን ሓጻቢት ማሽንን 3 100

ድምር ወጻእታት 27 800

ምስ ሓደ ሰብ ምንባርሕጊ ደባል ሽወደን ነቶም ተዳቢሎም ኪነብሩ ዝወሰኑ ኣዕሩኽ-መሓዙት ዘይኰነስ፡ ነቶም ከም ሰብ ሓዳር ተዳቢሎም ዚነብሩ እዩ ዚምልከት። እቲ መሰረታዊ ሓሳብ፡ እቲ እዞም መዳብልቲ ብሓባር ምንባር እንተ ኣቋረጹ፡ ናይ ሓባር ቤት፡ እንተላይ ኣቝሑን ካልእ ንብረትን፡ ብማዕረ ኪምቀል ዚብል እዩ። መን ይኸፍሎ ነይሩ ኣየገድስን እዩ። እቲ እንኮ ፍሉይነት ኣብቲ ቅድሚ ብሓባር ምንባሮም እተዓደገ ንብረት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ወጻእታት ስድራቤት ንስኻን መጻምድትኻን ክትማቐልዎ ግሩም ሓሳብ እዩ።

እዚ ሕጊ ምስ ነባርነት ብቐጥታ ምስ ዘይራኸብ፡ ከም ውህለላ፡ ወይ መኻይንን ጀላቡን ንዝኣመሰለ ንብረት ኣይሽፍንን እዩ፤ ኣብ እዋን ምፍልላይ፡ እዚ ንብረት ናብቲ ከም ወናኒ እተቐመጠ ሰብ እዩ ዚኸይድ። ንብረታትኩም በበይኑ ኪከፋፈል እንተ ደለኹም፡ ውዕል ደባል ብምፍራም ክተመዓራርይዎ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ውዕል ኣብ ልዕሊ እቲ ሕጊ ንእተቐመጡ ሕጋጋት ይነግስ።

ከይተመራዓዉ ብሓባር ዚቕመጡ ሰባት፡ ካብ ሓድሕዶም ኣይወራረሱን እዮም። ሞት ምስ ዜጋጥም፡ ንብረት መዋቲ ናብ ኣዝማዱ እዩ ዚውገን። እዚ ለበዋ ንምጽሓፍ ጽቡቕ ምኽንያት እዩ። መጻምድትኻ ዕዳ ፈጻሚ ባዓል-መዚ ሽወደን ምስ ዚህልዋ፡ ኣየኖት ንብረታት ናትካ ምዃኖም ክተረጋግጽ ተቐረብ። ብዝተረፈ፡ እቲ ንብረት ንመጻምድትኻ እዩ ዚብጻሓ ኢሎም፡ ነቲ ዕዳ ኬዳቕሱ ኪወርስዎ እዮም።

ሓድሽ ኣድራሻኻ ንSkatteverket፡ ባዓል-መዚ ግብሪ ሽወደን፡ ሓብሮ።

ንፖሊሲ መድሕን ወነንቲ/ኣካረይቲ ኣባይቲ ፈርመሉ። ፖሊሲታት

መድሕን ኣብ www.konsumenternas.se ኣነጻጽር።

መስመራት ተሌፎንን ቅልጡፍ ኢንተርነትን ኣዝዝ። ዘይሻራዊ ሓበሬታ

ካብ Telekomradgivarna ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።። ብዝያዳ ኣብ

www.konsumenternas.se ተወከስ።

ንRadiotjanst ቴለቪዥን ከም ዘሎካ ሓብሮ። ቴለቪዥን ትውንን

እንተ ዀይንካ፡ ንፈቓድ ቴለቪዥን ክትከፍለሉ ብሕጊ ትግደድ

ኢኻ። ንRadiotjanst ብ www.radiotjanst.se ወይ ብተሌፎን

020-91 00 00 ክትሕብሮ ትኽእል ኢኻ።

ምስ ዓዳሊ ቀረብ ኤሌክትሪሲቲ ተፈራረም። ውዕል ምስ ዘይትፈራረም፡

ነቲ ክቡር ክፍሊት "ክሳብ ካልኣይ መጠንከቕታ" ክትከፍል ኢኻ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ www.konsumenternas.se ከምኡ’ውን

www.elpriskollen.se ተወከስ።

ሓድሽ ኣድራሻኻ ንስድራኻን ኣዕሩኽ-መሓዙትካን ለኣኸሎም።

ንኣታቶምን ነቶም ሓደስቲ ጐረባብትኻን ብፓርቲ ሓድሽ ገዛ

ዘይትዕድሞም?

ገንዘብካ ፍለጦ

ፖንተስ ካብ ምንቅስቓስ ኣካላት ናብ ቤቱ እናተመለሰ፡ እንተላይ ብትምህርቲ ንወጻኢ ሃገር እናኸደ።

ሓቅታትመረጋገጺ ካብ ቤትካ ክትወጽእ ትውጥን እንተ ሃሊኻ።

18

ገንዘብካ ፍለጦ

ኣማኻሪት ሃለኽቲ፡ ሞኒካ ፒተርሰን፡ ኣብ ኩርዲናተን፡ ኣብቲ ኵሉ ዝዕላማኡ ህንጻ ጃርንቶርገት ማእከላይ ኦክሰሎሱንድ ንዘለዉ በጻሕቲ ተአንግድ። ኣማኻሪት ባጀትን ዕዳን፡ ካሪና ሴደር፡ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ናታ ቤትጽሕፈት'ኳ እንተ ሃለዋ፡ ናይዚ ኣካል እያ። ንሃለኽቲ ወይ ንምሕደራ ፋይናንስ ዚምልከት ሕቶታት ዘለዎ ዘበለ ንሞኒካን ንካሪናን ኬዘራርበን ይኽእል እዩ።

“ንብዙሓት፡ ምሳና ምዝርራብ ዓብይ ስጕምቲ እዩ። ፋይናንሳዊ ጸገማት ምህላውን ናብ ሓደ ኣብ ግዳም ዘሎ ቍሊሕ ምባልን ምሒር ስምዒታዊ ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኵሎም ሓገዝ ዜድልዮምን ብጽሒቶም ኬልዕሉ ዚደልዩን ሰባት ናባይ ይመጹ” ትብል ካሪና።

ሓገዝ ንዳግመ-መዋቕር ዕዳእቶም ዝውቱራት ጠንቅታት ዓብይ ዕዳ ፍትሕ፡ ሕማም፡ ወይ ገዛ ወይ ኣፓርታማ ብኽሳራ ምሻት ይርከብዎ። ሓያሎ ካብዚኣቶም ዳግመ-መዋቕር ዕዳ ምእንት ኪገብሩ ገጾም ናብ ካሪና ይመልሱ።ካሪና ናጻ ቈጸራ ቅድሚ ምሃባ፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ሓያሎ ሳምንታት እዩ ዚሓልፍ።

“እንተዀነ፡ ደዋላይ ብሓቂ ኣብ ስምባድ ዝኣተወ ምዃኑ ምስ ዘስተውዕል፡ መብዛሕትኡ እዋን ቀልጢፈ ምእንቲ ኪሕግዞ ብማለት ንዕማማት ስራሐይ ቀዳምነቶም እንደገና እሰርዖ” ክትብል ትሕብር።

መቐበሊ መልእኽቲ ማሽን ወርትግ ክፉት እዩሞኒካ ኰነት ካሪና ምሉእ ጊዜአን ኣብ ምኽሪ ሃለኽቲ ወይ ኣብ ባጀትን ዕዳን ስለ ዘይሰርሓ፡ መቐበሊ መልእኽቲ ማሽናተን ወትሩ ክፉት እዩ። ቀልጢፈን ኪምልሳ እንተ ዘይከኣላ፡ ዋላ'ውን ድንጕይ ኤን ኵሉ ጊዜ ይድውላ እየን። ንዜኣኸለን ኢመይላት'ውን ምላሽ ይህባ እየን። ሞኒካ ክፉት ርክብ ምኽሪ ሃለኽቲ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልታት ተካይድ።

“ሰባት መባዘውቲሮም ዚሕቱኒ ጸገም ስርዓተ-ርክብ ተሌፎን (telephony) እዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ ሰባት ኣገልግሎት ተሌፎን ኪቕይሩ ከም ዘለዎም ምስ ኣመኑ ይመጹኒሞ፡ ስረዛ ናይቲ ዝቐደመ ኣገልግሎት ኣይሰርሕን። ሽዑ እቲ ዓሚል ኣብ መንጎ ክልተ ዚኸፍለሉ ውዕላት ይቕርቀር” ትብል ሞኒካ።

ሓገዝ እንተ ደለኻ ንምሕዳር ከተማኻ ኣዘራርቦብመሰረት ሕጊ፡ ኵለን ምምሕዳራት ከተማ፡ ምኽሪ ባጀትን ዕዳን ኪህባ ይግደዳ። በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ምኽሪ ሃለኽቲ ብሕጊ ዘይእዘዝ ክንሱ፡ ኣብዛ ሃገር ዘለዋ ዝበዝሓ ምምሕዳራት ከተማ ግና ኣገልግሎቱ ይህባ እየን።

ኣብቲ እትቕመጦ ከመይ ከም ዚዓይይ ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ናብ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማኻ ብጻሕ ወይ ነቲ ቅኑዕ መስመር ብመገዲ www.konsumentverket.se ርኸቦ።

ውልቃዊ መምርሒ

• ገዛኻ ንኽትቅይሮ ሓጋዚ ክትቈጽር እንተ ዀይንካ፡ ኣብ ትካል ሃለኽቲ ሽወደን ንዚርከብ Hantverkarformularet ("መሕትት ብልሓተኛ”) ተጠቐም።

• ቅድሚ ዝኣገረ፡ ወትሩ ቢላት ቤትካ ክፈል። ንክራይ ገዛኻ፡ ኤሌክትሪሲቲ፡ መግብኻ፡ ከምኡ'ውን ንመድሕን ወነንቲ/ኣካረይቲ ኣባይቲ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ቅድሚ ዅሉ ነገር ስርዓዮ።

• ገንዘብካ ወርሒ ምሉእ ኪጸንሕ ኣብ ምግባር ትሽገር እንተ ዀይንካ፡ ክንዲ እቲ ክሳብታ እትቕጽል መዓልቲ ደሞዝ ዝተረፈካ ሳምንታት ክትመቕሎ ትኽእል ኢኻ። "ሳምንታዊ ገንዘብካ” ኣብ በበይኑ ሰታሪት ዓሽጎ። ነፍስወከፍ ሰታሪት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሰሙን ንዘድልየካ ነገራት ኵሉ እኹል ኪኸውን ኣለዎ።

ሞኒካን ካሪናን ጠቐምቲ ሓሳባት ኣብ ምሕደራ ፋይናንስ ይህባ

መምርሒ ሃለኽቲ እንታይ እዩ ጠቕሙ፡ ካብ ኣማራኽሪ ባጀትን ዕዳንከ እንታይ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል?

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኦክሰሎሱንድ ዚነብር ዘበለ ዅሉ ንካሪናን ሞኒካን ኪበጽሐን ተመቕሊለን ኪቕበላኦ እየን።

19

ገንዘብካ ፍለጦ

ናጻ ኣገልግሎት ካብ ኣብያተ-ጽሕፈት ሃለኽቲ ንስርዓተ-ርክብ ተሌፎን፡ ቴለቪዥን፡ ኢንተርነት፡ ጸዓት፡ ኣገልግሎታት ባንክን መድሕንን ናጻ ኣገልግሎት ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ክትድውል ወይ ኢመይል ክትልእኽ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ Telekomradgivarna ኣብዚ ብዝያዳ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ነፍስወከፍ መዓልቲ ስራሕ፡ ሞያተኛታት ኣብ Telekomradgivarna ኰፍ ኢሎም፡ ንሕቶታት ብተሌፎን፡ ብኢመይልን ብደብዳበን ይምልሱ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ Telekomradgivarna፡ ንኸም በበይኖም ኣገልግሎታትን ከም ተጠቃማይ መሰልካ ኣብ ቴለቪዥን፡ ስርዓተ-ርክብ ተሌፎንን ኢንተርነትን ዝኣመሰሉ ነገራት ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።“ሕቶ ምስ ዚህልወካ፡ እዚ መርበብ ሓበሬታ ቀዳማይ መድረኽ እዩ” ይብል ካሚላ ብሮግረን ካብ Telekomradgivarna።

ዝውቱራት ሕቶታት ንTelekomradgivarnaኣብያተ-ጽሕፈት ሃለኽቲ ሓፈሻዊ ምኽርን ናይ ርእስኻ ከኣል ሓገዝን'ኳ ይህባ እንተ ዀና፡ ውልቀ-ሰብ ግና ከቶ ኣይውክላን። ሓያሎ ሰባት ብኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕቶታትን ቅሬታታትን እዮም ምስ Telekomradgivarna ዚዘራረቡ፥• ኣብ እዋን ዕድጊ ብዘጋጥሙ ጸገማት፡ ዓዳጋይ ሸያጣይ ዘይቅኑዕ ወይ

ኣደናጋሪ ሓበሬታ ሂቡኒ ኢሉ ይሓስብ።• ነዚ ከይተገንዘቡ ናብ ሓድሽ ወሃቢ ኣገልግሎት ዚገዓዙ ተጠቀምቲ።• ዕድግን ቀየድቲ መቓናት ጊዜ ውዕላኣትን ናይ ምስራዝ መሰል።

ለበዋ Telekomradgivarna• ኵሉ ጊዜ ንውዕላት ምሉእ ብምሉእ ኣንብቦም።• ተንቀሳቐስቲ ተሌፎናትን ካልእ ናውትን ብናጻ ክረክብ እየ ኢልካ

ዘይምእማን።• ኣብ ገለ ነገር ቅድሚ ምፍራምካ፡ ኵሉ እቲ ናይ ቃል መብጽዓታት ብጽሑፍ

ምርካብ።

“ናይ ቃል ውዕላት ቀየድቲ ብምዃኖም፡ ጻውዒታት መብዛሕትኡ ጊዜ ከም ዚቕረጹ ኣይትዘንግዕ” ይብል ማትያስ ግራፍስትሮም፡ ዋና ሓላፊ Telekomradgivarna።

ኣርባዕተ ኣብያተ-ጽሕፈት ዓማዊልክንየው እተን ኣብያተ-ጽሕፈት ዓማዊል፡ ትካላት መንግስትን ትካላት ኢንዱስትሪን ኣለዋ። ዕማማተን ኣብተን ዘዚምልከታአን ኢንዱስትሪታት ብዘለዋ ዋኒናት ይምወል።

ንዅለን እዘን ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ www.konsumenternas.se

ክትረኽበን ትኽእል ኢኻ። ኣብ መርበባት ሓበሬታ ናይዘን ኣብያተ-ጽሕፈት ክትገብሮ እትኽእል፥• ንበበይኑ ኣገልግሎታት ባንክን ክፍሊታት ካርድን ምንጽጻር።• ንእተፈላለየ ውዕላት ኤሌክትሪሲቲ፡ ጋዝ፡ ከምኡ'ውን ንውዕላት ምውዓይ ወረዳታት

ዚምልከት ምንባብ።• መድሕን ተሽከርከርቲ ምንጽጻር፡ መድሕን ቈልዑ ምርኣይን ምቕማር በበይኖም ክፍሊታት

ጥሮታን።• ንውዕላት ቴለቪዥን፡ ስርዓተ-ርክብ ተሌፎንን ኢንተርነትን ብዚምልከት ምንባብ።እዘን ኣብያተ-ጽሕፈት ኣገልግሎት ተሌፎን ዚህባሉ ሰዓታት ኣብ መዓልታት ስራሕ ካብ 9:00 ቅ.ቀ. ክሳብ 12:00 ድ.ቀ እዩ።

ዕማመን ቅድሚ ዕድጊ ሓቅታትን ሓበሬታን ምሃብ፡ ንዅነታት ውዕል ምትርጓምን ምብራህን፡ ከምኡ'ውን ብውሳነ ሓደ ዋኒን ምስ ዘይትዓግብ፡ ናበይ ከም እተምርሕ ምብራህ እዩ።

ቍጽሪ ተሌፎን እዘን ኣብያተ-ጽሕፈትባንክ - och finansbyrån: 0200-22 58 00Energimarknadsbyrån: 08-522 789 50Försäkringsbyrån: 0200-22 58 00Telekområdgivarna: 08-522 767 00

ንኣብያተ-ጽሕፈት ዓማዊል ኣዘራርበን

ንTelekomradgivarna እንተ ረኸብካዮ፡ መልሲ ካብ ሓደ ሞያተኛ ክትረክብ ኢኻ። ክሪስቲያን ራሚረዝ ሓደ ካብዞም ብኢመይል፡ ብደብዳበታትን ብተሌፎንን ንዚመጹ ሕቶታት ዚምልሱ ሞያተኛታት እዩ።

20

Individ

uella

kos

tnad

er p

er m

ånad

* ብምኽንያት ናጻ ሕክምና ስኒ፡ ናይ ደቂ 18 ከምኡ'ውን 19 ዓመት ድምር ብገምጋም ወርሓዊ ትሕቲ 65 ክሮነር እዩ

ገምጋማት ትካል ሃለኽቲ 2015ዓመት-መጸ፡ ትካል ሃለኽቲ ርትዓዊ ወጻእታት በበይኑ ዝመጠነን ስድራቤታት ገምጋም ይሰርሕ እዩ። እዚ ኣሃዛት ንፋይናንስካ ኣብ እትፍትሸሉ እዋን መበገሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንገምጋማትና ምስቲ ናትካ ክተነጻጽሮ ትኽእል ኢኻ።

ገንዘብካ ፍለጦ

እዚ ቀመራት ነቲ ዝተሓተ ድልየት ኣቝሑን ኣገልግሎታትን ምርኵስ ዝገበረ ኰይኑ፡ ኣብነታት ወጻእታት ናይዚ ድማ የርእይ።እዚ ገምጋማት፡ ከም ሕክምናዊ ናውቲ ወይ መድሓኒታት ዝኣመሰሉ ተወሳኺ ወጻእታት ዚጠልቡ ስንክልናታት ወይ ሕማማት የብልካን ኢሉ ይሓስብ። እቲ ካልእ ግምት፡ ኣብ ኣፓርታማ እናተቐመጥካ ናይ ስፍራ ኣታኽልቲ ወይ መሐደስታት ዝዀነ ወጻእታት የብልካን ዚብል እዩ።

ኣብቲ ሰንጠረጅ ናይ ባዕልኻ ኣሃዛት ምልኣዮ፡ ወይ ክንደይ ከም እተጥፍእ እንተ ዘይፈሊጥካ፡ ገምጋም ትካል ሃለኽቲ ተጠቐም። ሽዑ ንወጻእታትካ ኣብ ገጽ 23 ናብ ዘሎ ባጀት ኣስግሮ።

ኣብቲ ሰንጠረጃት ዘሎ መጠን ናብቲ ዝቐረበ ten ክሮነር ተጸጋጊዑ ኣሎ።

ብዝያዳ ኣንብብብዛዕባ ገምጋማት ትካል ሃለኽቲ ብዝያዳ ክተንብብ እንተ ደለኻ፡ ኣብዚ ዚስዕብ መርበብ ሓበሬታ ክትረኽቦ እትኽእል ጸብጻብ 2013:1 ከምኡ'ውን 2013:4፡ ክተንብቦ ትኽእል ኢኻ፥ www.konsumentverket.se

ገምጋም ትካል ሃለኽቲ

Gem

ensa

mma

kostna

der pe

r mån

ad

ሃለኽቲ ንብረታትዘቤታውያን ኣቝሑን ንኣሽቱ ናውትንመራኸብታት ብዙሓንን ቴለኮምዩኒኬሽንንመድሕን ወነንቲ/ኣካረይቲ ገዛ

ዓባይ ከተማመጠነኛ ከተማንእሽቶ ከተማ

ንእሽቶ ከተማ

ጥሙር ድምር ወጻእታት

ዓባይ ከተማመጠነኛ ከተማንእሽቶ ከተማ

እዞም ወጻእታት ዜካትትዎመግቢ፥ ኵሉ መግቢ ኣብ ገዛ እተዳለወ። ዋጋታት ኵሉ ዓይነት መግቢ ኣብ ዝርዝር መግቢ ትካል ሃለኽቲ። እዚ ናይ ኣርባዕተ-ሳምንታት ዝርዝር መግቢ ኰይኑ፡ ዕለታዊ ካሎሪን ከከም ዕድመ መምዘኒ እተመጣጠነ መኣዛዊ መግቢ ይሽፍን።እቲ ዝርዝር መግቢ፡ ቍርሲ፡ ምሳሕ፡ ድራርን ክልተ ወይ ሰለስተ ጠዓሞትን የጠቓልል።

ካልእ ወጻእታት መግቢ፡ ከም ፓርቲታትን ተወሳኺ ሰዓታት ጠዓሞትን (ኣብ ገዛ ኰነ ኣብ ካፌ) ኣይተኻተቱን። ነዞም ወጻእታት ባዕልኻ ክትድምሮም ይግባእ።

ጽርየት ኣካላት፡ እንተላይ ሕክምና ስኒ: ንኸም ሳሙና፡ ሳሙና ስኒ፡ ዳያፐራት፡ ምቕምቃምወዘተ፡ ከምኡ'ውን ዋጋ ዓመታዊ ብሓኪም ስኒ ምርኣይ (መርመራ) ንዓበይቲ።

ህጻናት ኣዋልድ ኣወዳት ደቂ-ኣንስትዮ ደቂ-ተባዕትዮ 6–11 ኣዋርሕ 1 ኣዋርሕ 2–5 ኣዋርሕ 6–9 ኣዋርሕ 10–13 ኣዋርሕ 14–17 ኣዋርሕ 10–13 ኣዋርሕ 14–17 ኣዋርሕ 18–30 ኣዋርሕ 31–60 ኣዋርሕ 61–74 ኣዋርሕ 75 år > 18–30 ኣዋርሕ 31–60 ኣዋርሕ 61–74 ኣዋርሕ 75 ኣዋርሕ >ኵሉ መግቢ ኣብ ገዛ እተኸሸነ 760 770 930 1 520 1 680 1 880 1 920 2 420 1 840 1 810 1 660 1 610 2 420 2 310 2 080 1 880እንትርፎ ምሳሕ ኣብ መዓልታት ስራሕ፡ ኵሉ መግቢ ኣብ ገዛ እተኸሸነ 580 590 720 1 160 1 290 1 440 1 470 1 860 1 410 1 380 1 270 1 230 1 860 1 770 1 590 1 440

0 ኣዋርሕ 1–2 ኣዋርሕ 3 ኣዋርሕ 4–6 ኣዋርሕ 7–10 ኣዋርሕ 11–14 år 15–17 ኣዋርሕ 11–14 ኣዋርሕ 15–17 ኣዋርሕ 18–30 ኣዋርሕ 31–49 ኣዋርሕ 50–60 ኣዋርሕ 61 ኣዋርሕ > 18–30 ኣዋርሕ 31–49 år 50–60 ኣዋርሕ 61 ኣዋርሕ >ጽርየት ኣካላት፡ እንተላይ ክንክን ስኒ 500 430 150 110 140 280 400 210 250 520 520 500 500 390 390 390 390ልባሳትን ጫማታትን 370 440 440 520 560 580 590 570 580 600 600 600 600 580 580 580 580ምዝንጋዕን ጸወታን 80 180 180 400 620 710 720 710 720 640 640 640 640 640 640 640 640ተንቀሳቓሲት ተሌፎን 200 240 200 240 250 240 230 210 250 240 230 210መድሕን ቈልዑን ኣባጽሕን 130 130 130 130 130 130 130 130 130

ድምር ወጻእታት፡ እንትርፎ መግቢ 1 080 1 180 900 1 160 1 450 1 900 2 080 1 820 1 920 2 010 2 000 1 970 1 950 1 860 1 850 1 840 1 820

21

ገንዘብካ ፍለጦ

ኣሃዛት

ካ ኣብ

ገጽ 2

3 ኣብ

ዚርከ

ብ ሰ

ንጠረጅ

ኣእት

ዎ።

ወርሓዊ ወጻእታት ስድራቤተይብገምጋማት ወጻእታተይትካል ሃለኽቲ

ሃለኽቲ ንብረታትዘቤታውያን ኣቝሑን ንኣሽቱ ናውትንመራኸብታት ብዙሓንን ቴለኮምዩኒኬሽንንመድሕን ወነንቲ/ኣካረይቲ ገዛ

ዓባይ ከተማመጠነኛ ከተማንእሽቶ ከተማ

ንእሽቶ ከተማ

ጥሙር ድምር ወጻእታት

ዓባይ ከተማመጠነኛ ከተማንእሽቶ ከተማ

1 ኣባላት 2 ኣባላት 3 ኣባላት 4 ኣባላት 5 ኣባላት 6 ኣባላት 7 ኣባላት

100 130 220 260 320 370 410 370 450 540 620 730 820 880 940 970 990 1 010 1 030 1 050 1 070

120 130 150 160 160 180 180 90 100 110 110 120 120 120 80 90 90 110 110 110 120

1 530 1 680 1 900 2 050 2 240 2 420 2 540 1 500 1 650 1 860 2 000 2 200 2 360 2 480 1 490 1 640 1 840 2 000 2 190 2 350 2 480

* *

ልባሳት፡ ጫማታት፥ ሓደ መሰረታዊ ድልየት ልባሳትን ጫማታትን ንዕለታዊ ኣገልግሎት፡ ንምዝናይን ንተወሰኽቲ ናይ ፌስታ ኣጋጣምታትን። ቦርሳታት ኢድ፡ ሰዓታት፡ ጽላላትን ካልኦት ናውትን'ውን ኣብዚ ተጠቓሊሎም ኣለዉ።

ምዝንጋዕ፡ ጸወታ፥ ዝውቱራት ንጥፈታት ሰዓታት ምዝናይ፡ ኣሻንጕሊታት፡ መጻሕፍቲ፡ ሸታሕታሕ በረድ፡ ቢቺክለታታት፡ ክፍሊት ኣባልነት፡ ወዘተ።

ተንቀሳቓሲት ተሌፎን፥ ወጻእታት ተሌፎን ብዚምላእ ካርድ።

መድሕን ቈልዑን ኣባጽሕን፥ ወጻእታት መድሕን ሕማምን ሓደጋን ንቘልዑን ኣባጽሕን። እንተላይ ንሕማምን ሓደጋታትን ኣብ ናይ ምዝናይ ንጥፈታት የጠቃልል።

ሃለኽቲ ነገራት፥ ዕለታዊ ናውቲ፡ ኣውራ ንናብዮትን ገዛ ኣብ ምእላይን ዚውዕሉ፡ ከም ሳሙና ሕጽቦን ቅብኣታት፡ ወረቐት ዓይኒ-ምድርን መንቀጽታትን፡ ወዘተ።

ኣቝሑ ገዛን ንኣሽቱ ናውትን፥ ኣቝሑ ገዛ፡ ናውቲ ክሽነ፡ ቴለቪዥን ኮምፕዩተር፡ ወዘተ። መዝሓሊት፡ ሓጻቢት ፒያቲ፡ ከምኡ'ውን ሓጻቢት ክዳን ይተኻተታን።

መራኸብታት ብዙሓን፥ ወጻእታት ቅልጡፍ ኢንተርነት፡ ቀዋሚ መስመር፡ ፈቓድ ሬድዮን ቴለቪዥንን፡ ዕለታዊ ጋዜጣ ወዘተ።

መድሕን ወነንቲ/ኣካረይቲ ኣባይቲ: ወጻእታት ከከም መጠን መድሕን ገዛን መንበሪ ቦታን ይፈላለ። ዓባይ ከተማ፥ ልዕሊ 200,000 ተቐማጦ። መጠነኛ ከተማ፥ 50,000-200,000 ተቐማጦ። ንእሽቶ ከተማ፥ ትሕቲ 50,000 ተቐማጦ።

ህጻናት ኣዋልድ ኣወዳት ደቂ-ኣንስትዮ ደቂ-ተባዕትዮ 6–11 ኣዋርሕ 1 ኣዋርሕ 2–5 ኣዋርሕ 6–9 ኣዋርሕ 10–13 ኣዋርሕ 14–17 ኣዋርሕ 10–13 ኣዋርሕ 14–17 ኣዋርሕ 18–30 ኣዋርሕ 31–60 ኣዋርሕ 61–74 ኣዋርሕ 75 år > 18–30 ኣዋርሕ 31–60 ኣዋርሕ 61–74 ኣዋርሕ 75 ኣዋርሕ >ኵሉ መግቢ ኣብ ገዛ እተኸሸነ 760 770 930 1 520 1 680 1 880 1 920 2 420 1 840 1 810 1 660 1 610 2 420 2 310 2 080 1 880እንትርፎ ምሳሕ ኣብ መዓልታት ስራሕ፡ ኵሉ መግቢ ኣብ ገዛ እተኸሸነ 580 590 720 1 160 1 290 1 440 1 470 1 860 1 410 1 380 1 270 1 230 1 860 1 770 1 590 1 440

0 ኣዋርሕ 1–2 ኣዋርሕ 3 ኣዋርሕ 4–6 ኣዋርሕ 7–10 ኣዋርሕ 11–14 år 15–17 ኣዋርሕ 11–14 ኣዋርሕ 15–17 ኣዋርሕ 18–30 ኣዋርሕ 31–49 ኣዋርሕ 50–60 ኣዋርሕ 61 ኣዋርሕ > 18–30 ኣዋርሕ 31–49 år 50–60 ኣዋርሕ 61 ኣዋርሕ >ጽርየት ኣካላት፡ እንተላይ ክንክን ስኒ 500 430 150 110 140 280 400 210 250 520 520 500 500 390 390 390 390ልባሳትን ጫማታትን 370 440 440 520 560 580 590 570 580 600 600 600 600 580 580 580 580ምዝንጋዕን ጸወታን 80 180 180 400 620 710 720 710 720 640 640 640 640 640 640 640 640ተንቀሳቓሲት ተሌፎን 200 240 200 240 250 240 230 210 250 240 230 210መድሕን ቈልዑን ኣባጽሕን 130 130 130 130 130 130 130 130 130

ድምር ወጻእታት፡ እንትርፎ መግቢ 1 080 1 180 900 1 160 1 450 1 900 2 080 1 820 1 920 2 010 2 000 1 970 1 950 1 860 1 850 1 840 1 820

22

ገንዘብካ ፍለጦ

እቲ ገንዘብ እኹል ምስ ዘይከውንቢላትካ ኪኽፈል ይግባእ። ለቓሕካ'ውን ከምኡ። መግቢ ከቢሩ፡ ናይ ክረምቲ ጫማታትካ ድማ የልሕዅ ኣሎ። እቲ ወርሒ ጀሚሩ ክነሱ፡ ገንዘብካ ግን ነጺፉ። እንደገና። እዚ ንቡር ድዩ?

ገለ እዋን ኵሉ ሰብ ጸገም የጓንፎ እዩገለ ኣዋርሕ ዝያዳ ቢላትን ተወሳኺ ወጻእታትን ኣለዎ። መሐለውታ ክተዋህልል ክኢልካ እንተ ሃሊኻ፡ ክትሰግሮ ኢኻ። ወይ ምናልባት ንጊዜኡ ኪሕግዘካ ዚኽእል ኣባል ስድራቤት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ኣይክእልን ኢልካ ምስ እትሓስብ፡ ዕዮ ምሕደራ ፋይናንስካ፡ ምናልባት ንውህለላ መሓለውታኻ ቍሩብ ክብ ክተብሎ እኹል ይኸውን።

ወርሓዊ ምኽፋሉ ጸጊሙካ?• ቢላትካ ኣብ ምኽፋል ብቐጻሊ ጸገም ምስ ዜጓንፈካ፡ ንዅነታትካ ብግቡእ

ክትቅይሮ ይግባእ። ብዝተረፈ፡ መሓበሪ ዘይተመለሰ ክፍሊት ክትቅበል ወይ ካብ ቤትካ ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ። ብተስፋ፡ ንጸገማትካ ኣብ ሓጺር እዋን ፈቲሕካ፡ እንደገና ብክልተ እግርኻ ደው ክትብል ኢኻ።

• ናብ ዝሓሰረ ገዛ ገዓዝ ወይ ሓንቲ ክፍሊ ተኻረ።• ኣገልግሎታትካ ሰርዞ።• ማኪናኻን ኣብ ቤትካ ዘሎ ነገራትን ሽጦ።

ሓገዝ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ• ምስቲ ቢል ዘቐበለካ ተዘራሪብካ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ክትከፍሎ

ትኽእል እንተ ዀይንካ ሕተቶ።• ኣብ ምምሕዳር ከተማኻ ምስ ዘለዉ ኣማኸርቲ ባጀትን ዕዳን ተላዘብ፡ ብናጻ

ኬማኽሩኻ እዮም።

ዕዳ ኣሎካዶ?ብኽቡር ካርድ ለቓሕ ኣሽሓት ክሮነርዶ ተዓዲኻ ኣሎኻ? ትሑት ወለድ ዘለዎ ባንክ ክተናድይ ፈትንሞ፡ እተዓደኻዮ ዘበለ ለቓሕካ ክፈሎ። እምበኣር፡ እንደገና ክትዕደ ከይትፍተንሲ፡ ነቲ ካርድ ሰርዞ።

ሓበሬታ

ዘይተኸፈለ ሕሳብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኪራባሕ እዩ።

ሕሳብ ተሌፎን 600ናይ ጽሑፍ መዘኻኸሪ ክፍሊት 60ደብዳበ ዝዳቐስ ገንዘብ 180ጠለብ መኣዘዚ ክፍሊት ናብ ፈጻሚ ባዓል-መዚ 300ቀጻልነት ኵባንያ ምእካብ ልግሲ 340ዚዋጻእ ክፍሊት 600ድምር፥ 2,080

Iምስ ዘይትቈጻጸሮ፡ ኪውህለል ይኽእል እዩ

ብዝያዳ ኣንብብwww.kronofogden.se www.konsumentverket.se www.datainspektionen.se

ቢል ምስ ዘይትኸፍሎ፡ መሓበሪ ዘይተኸፈለ መዝገብ ኣብ መዝገብ እተን ለቓሕ ዚጽብጽባ ኵባንያታት ኪምዝገበካ እዩ። እዚ ጸገም ኬስዕበልካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ዕዳባንክ ወይ ተንቀሳቓሲት ተሌፎን ኪህልወካ ወይ ኣገልግሎት ኢንተርነትካ ኪንጸግ ይኽእል እዩ። ኣፓርታማ ናይ ምክራይ ጸገም'ውን ኬጓንፈካ ይኽእል እዩ።

ጕዕዞ ናብ መዝገብ ዘይተመለሰ ክፍሊት• ቢል ትቕበል።• ምስ ዘይትኸፍል፡ መዘኻኸሪ ትቕበል።• ምስ ዘይትኸፍሎ፡ ካብቲ ኵባንያ ወይ ካብ ትካል ምእካብ ዕዳ• ናይ ምውጻእ ደብዳበ ትቕበል• ምስ ዘይትኸፍሎ፡ መኣዘዚ ክፍሊት ቤትፍርዲ ካብ ፈጻሚ ባዓል-መዚ ሽወደን ትቕበል።• ምስ ዘይትኸፍሎ፡ ፈጻሚ ባዓል-መዚ ንዕዳኻ የረጋግጾ።

እቲ ዕዳ ቅኑዕ ምስ ዘይከውን፡ ተቓውሞኻ ብቕልጡፍ ብጽሑፍ ክትገልጽ ኣገዳሲ እዩ። ተቓውሞኻ ብምቕራብ፡ ክትከፍል ዜገድድ መኣዘዚ ቤትፍርዲ ምስ እትቕበል፡ ነቲ ፈጻሚ ባዓል-መዚ ክተርእዮ ትኽእል ኢኻ።

መዝገብ ዘይተኸፈለ

23

ሕልምታትካ ንምግሃድ፡ ዝያዳ ምውህላል ኬድልየካ እዩ። ዝያዳ ምእንቲ ክተዋህልል፡ ገንዘብካ ከመይ ክትጥቀመሉ ከም እትደልይ ሓድሽ ባጀት ስራዕ።ንዅሎም እተውጽኣሎም ንብረታት ደጊምካ ሕለፎምሞ፡ ነቶም ክተጕድሎም እትደልይ ኣብ ዓምዲ ሓድሽ ባጀተይ ኣስፍሮም። እቲ ዘልዓልካዮ፡ ናብ ውህለላ ክተእትዎ ትኽእል ኢኻ። እምበኣር ብመሰረት ሓድሽ ባጀትካ ክትነብር ምፍታን ጥራይ እዩ! ነዚ እንተ ኽኢልካዮ፡ ውህለላኻ ወርሓዊ እናዓበየ፡ በብቝሩብ ንገዛእ ርእስኻ ጥቓ ጥቓ ሕልምታትካ ተጸግዓ ኣሎኻ።

ባጀትካኣብ ታሕቲ ኣብ ዚርከብ ሰንጠረጅ፡ እቶትካን ወጻእታትካን ኣብ ዓምዲ እዋናዊ ባጀተይ ምልኣዮ።

እዋናዊ ባጀተይ ሓድሽ ባጀተይ

ድምር እቶት (ካብ ገጽ 2)

ወጻእታትመግቢ (ካብ ገጽ 20)

ጽርየት ኣካላት፡ እንተላይ ሕክምና ስኒ (ካብ ገጽ 20)

ልባሳትን ጫማታትን (ካብ ገጽ 20)

ምዝንጋዕን ጸወታን (ካብ ገጽ 20)

ተንቀሳቓሲት ተሌፎን (ካብ ገጽ 20)

መድሕን ቈልዑን ኣባጽሕን (ካብ ገጽ 20)

ሃለኽቲ ነገራት (ካብ ገጽ 20)

ኣቝሑ ገዛን ንኣሽቱ ናውትን (ካብ ገጽ 20)

መራኸብታት ብዙሓን (ካብ ገጽ 20)

መድሕን ወነንቲ/ኣካረይቲ ኣባይቲ (ካብ ገጽ 20)

ማኪና (ካብ ገጽ 8)

ካልእ መድሕን

መጽለሊ

ዘቤታዊ ኤሌክትሪሲቲ

ለቓሕ (ብዘይ ወለድን ብወለድን)

ህዝባዊ መጐዓዝያ

ክፍሊታት መድሕን ማዕከን ስራሕ-ኣልቦነትን ማሕበርን

ቢላት ዶክተር/መድሓኒት

ካልእ (ኣብነት፥ ካራሜላ፡ መጻወትታት፡ ህያባት፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ትምባኾ፡ እንስሳ ዘቤት፡ በዓላት)

ውህለላ

ድምር ወጻእታት

ውጽኢት (እቶት ዝጐደሎ ወጻእታት)

ኣብ www.konsumentverket.se ዚርከብ ቀመር ባጀት ትካል ሃለኽቲ ፈትኖ።

ወርሓዊ እቶትን ወጻእታትን

ገንዘብካ ፍለጦ

ንምሕደራ ፋይናንስካ ዚምልከት ተወሳኺ ምኽሪ ኣድልዩካ ኣሎ?ኣብ ምምሕዳር ከተማኻ ንዘሎ ኣማኻሪ ሃለኽቲ ወይ ኣማኻሪ ባጀትን ዕዳን ኣዘራርቦ።

ኣድራሻታት ርክብ ኣብ፥ www.konsumentverket.se ምርካብ ይከኣል።

ጠቐምቲ ሓሳባት

© Konsum

entverket 2015 ISBN

978-91-87533-25-9

Konsumentverket, Box 48, 651 02 Karlstad. Telefon: 0771-42 33 00. konsumentverket.se

ዓሰርተ ጠቐምቲ ፋይናንሳዊ ሓሳባት

ተወሰኽቲ መወኸስታት ኽትቅበልዶ ምፈተኻ?ተወሰኽቲ መወከስታት ኣብ መምርሒ ሃለኽቲ ምምሕዳር ከተማኻን ኣማኻሪ ባጀትን ዕዳን ምርካብ ይከኣል። ካብ መርበብ ሓበሬታ ትካል ሃለኽቲ'ውን ምእዛዝ ይከኣል እዩ፥ www.publikationer.konsumentverket.se

ምሕደራ ፕሮጀክትን ጽሑፍን ጆል ሳሙኤልሰን ስእልታት Øyvind ሉንድ ዲዛይን ዩኒቨርሲቲ ስትሪከሬት፡ ካርልስታድ ሕትመት ኤላንደርስ

1. ንገምጋም ባጀት ትካል ሃለኽቲ ምርኵስ ብምግባር፡ ባጀት ስራዕእንተ ደለኻ፡ ንወጻእታትካ ምስቲ ናይ ትካል ሃለኽቲ ገምጋማት ክተነጻጽሮ ትኽእል ኢኻ።

2. ንወጻእታትካ መዝግቦናይ ሓደ ወርሒ ኵሉ ወጻእታትካ ኣብ ጽሑፍ ኣስፍሮሞ፡ ገንዘብካ ኣበይ ተውዕሎ ከም ዘሎኻ ስእሊ ክትረክብ ኢኻ።

3. ዕድግታት ስፔዛ ወጥንሰሙናዊ መግቢ ምስ ዝርዝር ስፔዛ ኣዳልውሞ፡ ኣብ እትሽምተሉ እዋን ብኡ ተመራሕ።

4. ምሳሕ ተማላእኣብ ገዛ መግብኻ ኣዳሊኻ ስልጣንያ ምሳሕ እንተ ተማላእካ፡ ወርሓዊ ሓያሎ ኣማኢት ክሮነር ክተዋህልል ትኽእል ኢኻ።

5. ናይ ቴሌቪዥን፡ ቅልጡፍ ኢንተርነት፡ ተሌፎን፡ ኤሌክትሪሲቲ ውጥናትካ ወዘተ ከልሶ።ኵሎም እቶም መደበራት ቴለቪዥን ብሓቂ ድዮም ዜድልዩኻ? እትድውለሉን ጻውዒታት እትቕበለሉ ዝሓሰረ ኣገባባት ኣሎዶ? ሕስር ዝበለ ወሃቢ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ኣሎዶ?

6. ኣምሳያ ምዝዋር ማኪና ቢቺክለታኻ ተወጣሕምዝዋር ማኪና ክቡር እዩ። ኣብ ክንዳኡ፡ ቢቺክለታ ወይ ህዝባዊ መጐዓዝያ ተጠቐም።

7. ጸዓት ቈጥብናብ www.energimyndigheten.se ብምኻድ፡ ማዕረ ኽንደይ ክተዋህልል ከም እትኽእል ንምርኣይ ቀመር ጸዓት ኣሰላስል።

8. ፖሊሲታት መድሕንካ ኣጽንዓዮምምናልባት ድርብ ሸፈነ ኣሎካ ድዩ፡ ወይ ናይ ዘየድልየካ መድሕን ትኸፍል ኣሎኻ ዲኻ?

9. ለቓሓትካ ረኣዮምምስ ባንክኻ ተራኺብካ ንዝሓሸ ወለድ ተላዘብ። ምናልባት ባንክታት እትቕይረሉ ጊዜ ሕጂዶ ይኸውን?

10. ኣብ ልዕሊ ዕድግታትካ ምድስካል (moratorium) ኣውጅነዛ ወርሒ ዜድልዩኻ መሰረታውያን ነገራት ጥራይ ዓድግ። እምበኣር፡ ክንደይ ኣጥፊእካ?

ኣገልግሎት እዋናዊ ሓበሬታካብ መጋቢት 31፡ 2015፡ ንደሓር፡ ንዅሎም ዓማዊል "Halla konsument” (ሄሎ ትካል ሃለኽቲ)፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታ ኪህልው እዩ። ኣብኡ፡ ንዕድጊ ኣቝሑን ኣገልግሎታትን፡ ውዕላት ከምኡ'ውን ኣቤቱታታት ዚምልከት ሕቶታት ምላሽ ክትረኽበሉ፡ ወይ ነቲ ልክዕ መምርሒ ሃለኽቲ፡ ባጀት ወይ ኣማኻሪ ዕዳ፡ ቤትጽሕፈት ትካል ሃለኽቲ ወይ ብዝያዳ ኪሕግዘካ ዚኽእል መንግስታዊ ትካል ኣብ ምርካብ ክትሕገዝ ኢኻ።

ሄሎትካል ሃለኽቲ!

ነፍሱ ዚከአለ መምርሒ ካብ ናይ ሽውደን ትካል ሃለኽቲ

0771-525 525 00hallakonsument.se